ወከልቲ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት  ሕ.ሃ ኣብ ኤርትራ ምብጻሕ ይፍጽሙ

ወከልቲ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ሕ.ሃ ኣብ ኤርትራ ምብጻሕ ይፍጽሙ

Radio Erena: 09 February 2016

Com

መንግስቲ ኤርትራ ብከቢድ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት ተኸሲስሉ ኣብ ዘሎ እዋን፣ ወኪልቲ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት ኣብ ኤርትራ ምብጻሕ ይፍጽም ከምዘሎ ምንጭታት ካብ ኣስመራ ገሊጾም።

እቲ ኣርባዕተ ኣባላት ዝሓቖፈ ልኡኽ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት ኣብቲ ንሓሙሽተ መዓልታት ዝጸንሕ ናይ ኤርትራ ዑደቱ ኣብ ዝተፈላለዩ ትካላት መንግስቲ እናተዘዋወረ፣ ኣብ ኤርትራ ንዘሎ ኩነታት ሰብኣዊ መሰላት ክዕዘብን ሓበሬታ ክእኽብን ምዃኑ’ዩ ዝግለጽ።

ኩነታት ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ ንምምርማር ብሕቡራት ሃገራት ዝተመዘዘት ሸይላ ኪታሩት ትኹን ኣባላት መርማሪት ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ናይቲ ውድብ፣ ናብ ኤርትራ ብምእታው ቀጥታው ምጽራይን መጽናዕትን ንምክያድ ዘቕርብዎ ዝነበሩ ተደጋጋሚ ጠለባት መንግስቲ ኤርትራ ክነጽጎ ምጽንሑ ይፍለጥ።

 

እታ ኮሚሽን ኣብ ስደት ካብ ዝርከቡ ኤርትራውንን ካብ ጎረባብቲ ሃገራትን ብዝኣከበቶም ሓበሬታን መጽናዕትን ከኣ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ጄኔቫ ዝመደበራ ባይቶ ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ዘቕረበቶ ጸብጻብ፣ ኣብ ኤርትራ ከቢድ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት ይፍጸም ምህላዉ ምቕራባ ይዝረር።

እታ መርማሪት ኮሚሽን በተወሳኺ፣ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ዝርከቦም ሰበ ስልጣን መንግስቲ ኤርትራ ገበን ኣንጻር ሰብኣውነት ይፍጽሙ ከይህልዉ ንምጽራይ’ውን ናይ ሓደ ዓመት ተወሳኺ ዕማም ተዋሂቡዋ፣ መጽናዕቲ ኣብ ምክያድ ትርከብ።

ኣብ ከምዚ ኩነታት እንከሎ ድማ’ዩ፣ መንግስቲ ኤርትራ ንወከልቲ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ናብ ኤርትራ ምብጻሕ ክፍጽሙ ፈቒዱ ዝርከብ።

ልኡኽ እቲ ኮሚሽን ብዘይካ’ዚ ኣብ ሰሙን’ዚ ኣብ ኤርትራ ዘካይዶ ዘሎ ምብጻሕ፣ ኣብ ዝቕጽል’ውን ተመሳሳሊ ዑደት ክፍጽም ተኽእሎ ምህላዉ’ውን እቶም ምንጭታት ይእምቱ።

ሕቡራት ሃገራት ይኹኑ ካልኦት ዞባውያንን ኣህጉራውያንን ውድባትን፣ መንግስቲ ኤርትራ ኩነታት ሰብኣዊ መሰላት ከመሓይሽ ኣብ ርእሲ ዝገብርዎ ዘለዎ ጸቕጢ፣ ሕብረት ኤውሮጳ’ውን ነቲ መንግስቲ ዝሰልዖ ኣስታት 200 ሚልዮን ኤውሮ ምስ ኩነታት ሰብኣዊ መሰላት ኣተሓሒዙ ምቕራቡ፣ መንግስቲ ኤርትራ ብጉዳይ ሰብኣዊ መሰላት ብጉድ ክዛረብን ንወከልቲ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ከኣ ናብ ኤርትራ ክኣትዉ ክፈቅድን ከምዝተገደደ’ዮም ዝተፈላለዩ ወገናት ዝጠቕሱ።
==============================

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0