ሓደ ካብ መራሕቲ ኣልሸባብ ናይ ኤርትራ ፓስፖርት ይጥቀም ምንባሩ ተገሊጹ

ሓደ ካብ መራሕቲ ኣልሸባብ ናይ ኤርትራ ፓስፖርት ይጥቀም ምንባሩ ተገሊጹ

Radio Erena: 04 September, 2014

Muktar Robow

ሓደ ካብ መራሕቲ ኣልሸባብ፣ ኣቐዲሙ ናይ ኤርትራ ፓስፖርት ይጥቐም ምንባሩ ተገሊጹ።

እቲ ብሸኽ ሙክታር ሮቦው ዝፍለጥ ምክትል ኣዛዚ ኣልሸባብ፣ ቅድሚ ምምስራት እቲ ጉጅለ ኣብ 2000 ዓመት ምህረት ናብ ኣፍጋኒስታን ተጓዒዙ ምንባሩ’ውን ወትሃደራዊ ምንጭታት ኣመሪካ የመልክቱ።

ሸኽ ሮቦው፣ ሙክታር ዓብዱላሂ ዓሊ ብዝብል ስም ናይ ኤርትራ ፓስፖርት ይጥቀም ምንባሩን ትውልዲ ዓዲ ድማ ከረን ዝብል ጽሑፍ ከምዝነበሮን CDN ዝተባህለ ማዕከን ዜና ኣመሪካ ይጠቕስ።

 

ኣመሪካ ነዚ ምክትል ኣዛዚ ኣልሸባብ ንዘትሓዘ ወይ ዘለዎ ንዝሓበረ ሰብ 5 ሚልዮን ዶላር ከምእትሕብ ምግልጻ ዝዝከር’ዩ።

መራሕቲ ኣልሸባብ ዓደን ሓሸ ኣያሮ ኣብ 2008 ብደብዳብ ነፈሪት ኣመሪካ ድሕሪ ምቕታሉ፣ ነቲ ምስ ኣልቃዒዳ ዝሰመረ ዕጡቕ ሽበራዊ ጉጅለ ኣልሸባብ ኣሕመድ ዓብዲ ጎዳነ ይመርሖ ምህላዉ’ውን ጸብጻብ ኣመሪክ የመልክት።

ሓያሎ ካብዞም ብኣመሪካ ዝህደኑ ዘለዉ መራሕቲ ኣልሸባብ፣ ናይ ኬንያ ፓስፖርት ይጥቐሙ ምንባሮም’ውን እቲ ማዕከን ዜና ጠቒሱ ኣሎ።

እዚ ንመንነትን ላዕለዎት ኣባላት ኣልሸባብ ዝጠቕስ ሓበሬታ ብማዕከን ዜና CDN ዝተዘርግሓሉ ምኽንያት፣ ኣመሪካ ንመራሕቲ ኣልሸባብ ንምጥቃዕ ዝዓለመ ደብዳብ ነፈርቲ፣ቅድሚ ሳልስቲ ኣብ ሶማል ድሕሪ ምኽያዳ’ዩ።

ሓደ ካብቶም ኣብ መዝገብ ተሃደንቲ ኣመሪካ ሰፊሩ ዘሎ ዳሂር ዕወይስ’ውን ኣብ ኤርትራ ንኣስታት ሓደ ዓመት ከምዝነበረ ኣይርሳዕን።

መንግስቲ ኤርትራ፣ ንተቓምቲ ኢትዮጵያን ሶማልን ናይ ኤርትራ ፓስፖርት ይዕድል ምንባሩ ብተደጋጋሚ እዋን ይውቀስ ኔሩ’ዩ።
===================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0