ካብ እስራኤል ብወለንትኦም ናይ ዝወጹ ዘለዉ ስደተኛታት ቁጽሪ እናዛየደ መጺኡ

ካብ እስራኤል ብወለንትኦም ናይ ዝወጹ ዘለዉ ስደተኛታት ቁጽሪ እናዛየደ መጺኡ

Radio Erena: 04 September, 2014

Israel Rep

ካብ እስራኤል ናይ ዝወጹ ዘለዉ ኤርትራውያን ዝርከብዎም ስደተኛታት ቁጽሪ እናዛየደ ይመጽእ ከምዘሎ መንግስቲ እታ ሃገር ኣፍሊጡ።

ኣብዛ ዝሓለፈት ወርሒ ጥራይ 379 ስደተኛታት ካብ እስራኤል ከምዝወጹ ዝጠቀሰ ጸብጻብ መንግስቲ፣ ምስ ናይ ዝሓለፈ ዓመት ክነጻጸር እንከሎ፣ ብልዕሊ ሓደ ሚእቲ ከምዝወሰኸ ኣመልኪቱ።

ኣብ እስራኤል ካብ ዘለዉ ልዕሊ 53 ሽሕ ስደተኛታት፣ ዛጊት ኣስታት 5,388 ስደተኛታት ካብታ ሃገር ብወለንትኦም ወጺኦም ከምዘለዉ’ውን ክፍሊ ህዝብን ኢምግሬሽንን እታ ሃገር ኣፍሊጡ።

 

ካብዞም ብወለንትኦም ተመሊሶም ዘለዉ 5,388 ስደተኛታት መብዛሕቶም ዜጋታት ኤርትራውን ሱዳንን ኮይኖም እቶም ሱዳናውያን ናብ ናብ ዓዶም ክምለሱ እንከለዉ፣ ኤርትራውያን ድማ፣ እቶም ዝወሓደኡ ናብ ኤርትራ እቶም ዝበዝሑ ግና ናብ ኢትይጵያ፣ ኡጋንዳ፣ ርዋንዳን ሃገራት ኤውሮጳን’ዮም ግዒዞም።

ካብቶም ኣብ እስራኤል ዝርከቡ ልዕሊ 53 ሽሕ ስደተኛታት ዜጋታት ዝተፈላለያ ሃገራት፣ እቶም ኣስታት 36 ሽሕ ኤርትራውያን ክኾኑ እንከለዉ፣ እቶም 13 ሽሕ ድማ ሱዳናውያን’ዮም።
============================

COMMENTS

WORDPRESS: 0