ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ግብጺ ብዛዕባ ናይልን ንምዝርራብ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ወግዓዊ ምብጻሕ ፈጺሙ

ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ግብጺ ብዛዕባ ናይልን ንምዝርራብ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ወግዓዊ ምብጻሕ ፈጺሙ

Radio Erena: 05 September, 2014

Addis Cairo

ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ግብጺ ሳሚ ሹክሪ፣ ብዛዕባ ጉዳይ ናይል ንምዝርራብ ናብ ኢትዮጵያ ወግዓዊ ዑደት ኣካይዱ።

እቲ ሚኒስተር፣ ካብ ፕረዚደንት ግብጺ ዓብደል ፈታሕ ኣል ሲሲ ናብ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣቶ ደሳለኝ ሃይለማርያም ዝተላእከ ደብዳቤ’ውን ኣቢጽሑ።

ሚኒስተር ሹክሪ ምስ ኢትዮጵያዊ መዝንኡ ዶክተር ቴድሮስ ኣድሓኖም’ውን ብኣካል ተራኺቡ ከምዝተዘራረበ ካብ ኣዲስ ኣበባ ዝተመሓላለፈ ዜና ኣገንዚቡ።

 

ኢትዮጵያን ግብጽን ብጉዳይ ምህናጽ ዲጋ ተሃድሶ፣ ኣብ ከቢድ ዲፕሎማስያዊ ምትፍናን ከምዘለዋ ዝፍለጥ’ዩ።

ዘሰሓሕበን ዘሎ ጉዳይ ናይል ከኣ ብዘካይድኦ ቀጻሊ ዘተን ርክባትን ኣብ ናይ ሓባር መርዳእታ ክበጽሓ ተስፋ ከምዘለዎ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ግብጺ ኣብዚ ናይ ኣዲስ ኣበባ ዑደቱ ጠቒሱ።

===========================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0