‘ትግራይ፣ 15% ግዳያት ጾታዊ ዓመት ካብ ዝኾና ደቂንስትዮ ንHIV ዝተቓልዓ’የን’

RADIO ERENA – Wednesday, 20 March 2024

ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ፣ ክልል ትግራይ፣ ካብ ሕዳር 2020 ክሳብ ሕዳር 2022፣ ንክልተ ዓመታት ኣብ ዝተኻየደ ኵናት ኣስታት 120 ሽሕ ደቂንስትዮ ግዳያት ጾታዊ ዓመጽ ከምዝኾና፣ ንጸብጻብ ምምሕዳር ናይቲ ክልል ብምጥቃስ ጋዜጣ ለ ሞንድ ሓቢራ።

እታ ብቋንቋ ፈረንሳ እትሕተም፣ ሓንቲ ካብ ዓበይቲ ጋዜጣታት ዓለም ዝኾነት፣ ለ ሞንድ፣ ብ16 መጋቢት፣ ኣብ ዘስፈረቶ ጽሑፍ፣ 15% ካብዘን ግዳያት ጾታዎ ዓመት ዝኾና ደቂንስትዮ፣ ንኤችኣይቪ – ኤይድስ ዝተቓለዓ ምዃነን ጠቒሳ።

እታ ጋዜጣ፣ ሕውየት ንዝተባህለ፣ ግዳያት ጾታዊ ዓመት ንዝኾና ደቂንስትዮ ዝሕግዝ ናይ ግብረ ሰናይ ማሕበር ብምውካስ ኣብ ዘቕረበቶ ጽሑፍ፣ ኣብቲ ንክልተ ዓመታት ዝጸንሐ ኵናት፣ ደቂንስትዮ ትግራይ፣ ብጥሜት ክሞታ ወይ ክዕመጻ፣ ክልተ ዘሰንብድ ምርጫታት ከምዝነበረን ዘርዚሩ።

እቲ ማሕበር፣ ኣብ ትሕቲኡ ዝተምዝገባ፣ ግዳያት ጾታዊ ዓመጽ ዝኾና ኣስታት 5 ሽሕ ደቂንስትዮ ከምዘለውኦዩ ሓቢሩ።

ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ኣብ ዝተኻየደ ኵናት፣ ገበናት ኣንጻር ሰብኣውብነት ገበናት ኵናትን ተፈጺሞምዝብል ክስታት ብዝተፈላለዩ ኣካላት ዝቐርብ እኳ እንተኾነ፣ ዛጊት ነዚ ከጻሪ ዝቖመ ናጻ ኣህጉራዊ ኣካል የለን።

ምስ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት እታ ሃገር ብምትሕብባር፣ ኣቐዲሙ ዝተወስደ ተበግሶታትውን፣ ብዝተፈላለየ ምኽንያታት ዕማሙ ዛዚሙ፣ ናብ ናይ መወዳእታ ጸብጻቡ ክበጽሕ ኣይከኣለን።

ኣብቲ ኵናት ዝተሳተፉ፣ መንግስታት ኢትዮጵያን ኤርትራን ነቲ ዝቐረብ ክስታት ብተደጋጋሚዮም ዝነጽግዎ።

ስእሊ፡- ካብ ኣርካይቭስ ኢንተርነት

===============

COMMENTS

WORDPRESS: 0