መበል 48 ዓመት ዕለተ ልደት ወዱ ንፕረዚደንት ኡጋንዳ ንምጽንባል፣ ጎደናታት ካምፓላ ምዕጻዉ ተሓቢሩ

Radio Erena: 25 April 2022

ቦኽሪ ወዱ ንፕረዚደንት ኡጋንዳን ላዕለዋይ ኣዛዚ ሰራዊትን፣ ልዩተናንት ጀነራል ሙሁዚ ካይነሩግባ፣ ብቀዳም 23 ሚያዝያ፣ መበል 48 ዓመት ልደቱ ኣብ ዝጸንበለሉ፣ ሓያሎ ጎደናታት ካምፓላ ተዓጽዩ ከምዝወዓለ፣ ማዕከን ዜና ዘ ሲትዘን ሓቢሩ።

እቲ ኣዛዚ ሓይሊ ምድሪ ኡጋንዳ ዝኾነ ጀነራል፣ ኣብ ሉጎጎ ክሪኬት ኦቫል ኣብ ዝገበሮ ጽንብል፣ ሓያሎ ሰበ ስልጣንን ህቡባት ሰባትን ከምዝተረኽቡ እቲ ማዕከን ዜና ሓቢሩ።

ካብ ወዲ 20 ዓመት ኣትሒዙ ኣብ ዝተፈላለተ ጽፍሕታት ኡጋንዳ ዝተመደበ ጀነራል ሙሁዚ፣ ንኡጋንዳ ን36 ዓመታት መሪሑ ንዘሎ ኣቡኡ፣ ፕረዚደንት ዩዌሪ ሙሴቬኒ ንምትካእ ምድላዋት ይካየድ ምህላዉ ዝተፈላለያ መርበባት ዜና የቓልሓ’የን።

ካብ 1986 ኣትሒዙ ንኡጋንዳ ዝመርሐ ወዲ 77 ዓመት ዩዌሪ ሙሴቬኒ፣ ድሕሪ ሓሙሽተ ዓመታት፣ ወዲ 82 ዓመት ምስ ኮነ ስልጣን ክሓድግ ምዃኑ ‘ዩ ዝእንፍት።

እንተኾነ፣ እቲ ፕረዚደንት ድሕሪ ናይ 40 ዓመታት ኣብ ስልጣን ምጽናሕ፣ ናብ ወዱ ከሰጋግሮ ምዃኑ ብሰፊሑ ይዝረብ።

ንልዕሊ 20 ዓመታት ኣብ ላዕለዋይ ወትሃደራዊ ጽፍሒ ዝርከብ፣ ወዱ ነቲ ፕረዚደንት፣ ጀነራል ሙሁዚ፣ ዝሓለፈ ቅንያት፣ ኣብ መበል 47 ዓመቱ፣ ካብ ሰራዊት ብጡረታ ከምዝተፋነወ ብትዊተር ምግላጹ ኣይርሳዕን።

ካብ ላዕለዋይ ኣዛዚ ሰራዊት፣ ብጡረታ ምፍናዉ፣ ንኣቡኡ ንምትካእ ዝተገብረ ቅድመ ምድላዉ ምዃኑ ድማ ተተንቲኑ።

እንተኾነ ኣፈኛ ሰራዊት እታ ሃገር፣ ድሕሪ ሒደት መዓልታት ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፣ እቲ ጀነራል ብጥሮታ ከምዘይተፋነወን፣ ኣብ ምዱብ ስርሑ ከምዝርከብን ኣፍሊጡ።

ኣስታት ሓደ ወርሒ ጸኒሑ ድማ፣ ናይ ትዊተር ሕሳብ ናይቲ፣ መልእኽታት ይኹን ርእይቶታት ብፍኑይ ከመሓላልፍ ዝጸንሐ ጀነራል ሙሁዚ ከምዝተዓጽወ ተሓቢሩ።

ኣብ ምብራቕ ኣፍሪቃ፣ ንዝበዝሐ ዓመታት ኣብ ስልጣን ዝጸንሐ ፕረዚደንት፣ ዩዌሩ ሙሴቬኒ ክኸውን እንከሎ፣ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ድማ ብ31 ዓመታት ካልኣት ኮይኑ ይስዕቦ።

እዚ ከምዚ’ሉ እንከሎ፣ ኣብ ጽምብል ዕለተ ልደት ልዩተናት ጀነራል ሙሁዚ ንምስታፍ፣ ካብ ርዋንዳን ኬንያን ዝተበገሱ ኣስታት 20 ሰባት ዝርከብዎም 60 ተሳፈርቲ ጽዒና ዝነበረት ነፋሪት፣ ብ20 ሚያዝያ፣ ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ኢንተበ ኣብ እትዓልበሉ ዝነበረት እዋን፣ ሓደጋ ከምዘጋጠማ ምንጭታት ዜና ካብ ካምፓላ ሓቢረን።

ኣብ ሰብ ዝበጽሐ ጉድኣት ኣይነበረን።

 

ስእሊ፣- ኣብ መበል 45 ዓመት ልደቱ ዝተሳእሎ – ካብ ኣርካይቭስ ኢንተርነት

======================

COMMENTS

WORDPRESS: 0