ሕብረት ኤውሮጳ፡ ኣብ ኤርትራ ንስልጠና 18 ሲቪካውያን ማሕበራት ከምዝመወለ ገሊጹ

RADIO ERENA – Tuesday, 26 March 2024

ወኪል ሕብረት ኤውሮጳ ኣብ ኤርትራ፡ ን18 ሲቪካውያን ማሕበራት (CSOs’)፡ ኣብ ምሕደራ ፕሮጀክትን ምምዕባል ዓቕሚን ዘተኮረ ስልጠና ከምዝመወለ ሓቢሩ።

እቲ ሕብረት ብዝመወሎን ኣልተር ኣሶሰርስ ብዝተባህለ ትካል ድማ ዝሰልጠናን ሲቪካውያን ማሕበራት ኤርትራ፡ ኣብ ሱንኩላን፡ ቆልዑ፡ ደቂንስትዮ፡ መንሰያትን ካልእን ዘተኮራ ምዃነንዩ ገሊጹ።

ይኹን ምበር ኣብ ኤርትራ፡ ካብ ምትእትታው መንግስቲ ናጻ ዝኾነ ሲቪካዊ ማሕበር ከምዘየለዩ ዝፍለጥ።

ከም ናይ ደቂንስትዮ፡ መንእሰያት፡ ሰራሕተኛታት፡ ስንኩላን ዝኣመሰለ ማሕበራት ብቀንዱ ከም ጥብቖ ናይቲ ኣብ ኤርትራ ንልዕሊ 32 ዓመታት ኣብ ስልጣን ዝርከብ ስርዓት ህግደፍ ክኾና እንከለዋ፡ ከም ማሕበር መማህራን ዝኣመሰለ ነዊሕ ታሪኽ ዘለወን ድማ ኣብ ትሕቲ ጽኑዕ ክትትልን ብምትእትታው መንግስቲን ንጥፈታትን ከምዘካይዳዩ ዝንገር።

እቲ ካብ 30 ጥሪ ክሳብ 09 ለካቲት ብሕብረት ኤውሮጳ ዝተዋህበ ስልጣና ግና፡ ብዛዕባ እንታይነት እተን ሲቪካውያን ኢሉ ዝጠቐሰን 18 ማሕበራት ኣየነጸረነ።

======================

COMMENTS

WORDPRESS: 0