ኬንያን ኢትዮጵያን ንክልተኣዊ ምትሕብባር ዝዓለመ ስምምዕ ፈሪመን

RADIO ERENA:- Friday , 01 March 2024

ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣብይ ኣሕመድ ኣብ ኬንያ ናይ ክልተ መዓልቲ ምብጻሕ ድሕሪ ምፍጻሙ ክልቲኤን ሃገራት፣ ኣብ ባህላዊ ልምዓት፣ ቱሪዝምን እንስሳ ዘገዳምን፣ ሰማያዊ ቁጠባ፣ ልምዓት ነዳዲ፣ ጸዓትን ህዝባዊ ኣገልግሎታትን ዘጠቓልሉ ስምምዓት ፈሪመን።

ኣብ መጀመርታ ወርሒ ለካቲት ሚኒስተር ትራንስፖርትን ሎጂስቲክስን ኢትዮጵያ ኣለሙ ስመ፣ እታ ሃገር ብወደብ ላሙ ኬንያ ናይ ፈለማ ጽዕነት ክትሰድድ ትሸባሸብ ምህላዋ ኣረጋጊጹ ኔሩ።

ሚስተር ሲመ ንፓርላማ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፣ ኢትዮጵያ ንወደብ ኬንያ ንንግዳዊ ንጥፈታት ሓጽያቶ ከምዘላን፣ እዚ ድማ ብደቡባዊ ዶባት እታ ሃገር ኣቢላ ጥሪትን ካልኦት እታወታት ሕርሻን ናብ ወጻኢ ንምልኣኽ ዘጠቓለለ ንንግዲ ዘተኮረ ስምምዕ ክትገብር ኣብ ምድላው ከምዘላ ገሊጹ ኔሩ።

“ኣብ ዝቕጽሉ ክልተ ኣዋርሕ ድኹዒ ብምምልላስ ክንጅምር ኢና፣ እዚ ስጉምቲ ድማ ኣማራጺ ኣፍደገታት ባሕሪ ንምውሓስ ዝሰፍሐ ስትራተጂ ዝውክል`ዩ” ክብል ተዛሪቡ ኔሩ።

ኢትዮጵያ ንወደብ ላሙ ናይ ኬንያ ብምጥቃም፡ ንንግዲ ናይታ ሃገር ዝያዳ ርጉእን ስሉጥን መስመር ንምውሓስ ዓቢ እጃም ከምዘበርክት ድማ ኣብሪሁ ኔሩ።

ብተወሳኺ መራሕቲ ኢትዮጵያን ኬንያን ኣብ ዘውጽእዎ ሓባራዊ መግለጺ፣ ሃገራዊ ቁጠባዊ ዕብየት ንምዕባይ ከምኡ’ውን ኣጀንዳ ሕብረት ኣፍሪቃ 2063 ኣብ ግብሪ ንምውዓልን ተበግሶ ኣብ ምውሳድ ቅሩባት ምህላዎም ገሊጾም።

ኣጀንዳ ሕብረት ኣፍሪቃ 2063፣ ዓለማዊ ጽልዋ ኣፍሪቃ ንምቕያር ዝዓለመ ሸቶ እዩ።

ኣብታ ኣህጉር ንኹሉ ዝሓቁፍን ዘላቒን ልምዓት ንምዕዋት ዝዓለመ ስትራተጂካዊ ቅርጺ ኮይኑ፣ ኣብ ትሕቲ ሓሳብ ፓን ኣፍሪካኒዝም ተማእኪሉ ንሓድነት፣ ርእሰ-ውሳነ፣ ደሞክራስያዊ ምሕደራ ሰላምን ድሕነትን ሃገራት ቀዳምነት ምሃብ፣ ምዕባለን ሓባራዊ ብልጽግናን ፤ ከምኡ’ውን ኣፍሪቃ ኣብ ዓለማዊ መድረኽ ጸላዊ ተራ ንኽህልዋ ኣብ ውሽጢ ሓምሳ ዓመታት ክሰርሕ ዝተመደበ ሸቶ እዩ።

=====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0