ምስሓብ ሃገራዊት ጋንታ ኩዑሶ እግሪ ኤርትራ፣ ብሰንኪ ዋሕዲ ባጀት ዶ ስግኣት ህድማ?

Radio Erena: Monday, 06 November 2023

ኣብ ዝሓለፈ ቅንያት ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ ኣብ ከተማ ከረን ዝተፈላለየ ንጥፈታት ስፖርት ኣካይዱ ኔሩ::

ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ፣ ኣብቲ ዝበዝሕ እዋን ኣብ ከተማ ከረን ዘተኣናግዶ፣ ኣብ መንጎ ክፍላተ ሰራዊት ዝካየድ ስፖርታዊ ንጥፈታት፣ ጸወታታት ኩዑሶ እግሪ: ኩዑሶ ሰኪዔት: ኩዑሶ መርበን: ኣትለቲክስን ካልእን ዘጠቓለለ እዩ ኔሩ::

ኣብቲ ንኣስታት ሓደ ወርሒ ዝተኻየደ ጸወታታት ንጥፈታት ስፖርት፣ ዳርጋ ንብምሉኦም ተጻወትቲ ኩዑሶ እግሪ ዝጠርነፈ ብምንባሩ፣ ሕርይቲ ሃገራዊት ጋንታ ኩዑሶ እግሪ ንምምራጽ ኣዝዩ ምቹእ ግዜ ፈጢሩ ምንባሩ’ዩ ተገሊጹ።

ተጻወትቲ ኩዑሶ እግሪ ክለባት ኤርትራ፣ መብዛሕቶም ኣባላት ሃገራዊ ኣገልግሎት ብምዃኖም፣ ነናብ ኣሃዱታቶም ተመሊሶም፣ ነቲ ናይ ምክልኻል ግጥማት ንምስልሳል እዮም ንጸወታ ኣብ ከረን ተኣኻኺቦም።

ራድዮ ኤረና፣ ኣፍልጦ ኣለዎ ንዝበለቶም ወገናት ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ብምውካስ፣ ብዛዕባ ብኩራት ሃገራዊት ጋንታ ካብ መጻረይ ዋንጫ ዓለም ንምጽራይ ኣብ ዝፈተነትሉ፣ ዝተፈላለየ ርእይቶታት እያ ተቐቢላ።

ገሊኦም ዋሕዲ ባጀት ምዃኑ ክገልጹ እንከለዉ፣ ገሊኦም ድማ ተደጋጋሚ ህድማ ተጻወቲ ሕጂ’ውን ከይድገም ስለዝተሰግአ ምዃኑ’ዩ ኣሚቶም።

ኣብ ኣፍሪቃ ንሸመተ ተተኮስቲ ኣጽዋርን ሎጂስቲክ ሰራዊትን ዝበዝሐ ወጻኢታት ካብ ዘባኽና ሃገራት ኣፍሪቃ ኣብ ቅድሚት እትስራዕ ኤርትራ፣ እወታዊ ምስሊ ሃገር ንዘለዎ ካብ ዓበይቲ ንጥፈታት ውድድር ኩዕሶ እግሪ፣ ብሰንኪ ዋሕዲ ባጀት ከምዝቦኸረት ምግላጻ’ውን ብብዙሓት ወገናት ተኣማንነት ከምዘይብሉ’ዩ ዝጥቐስ።

ኤርትራ፣ ኣብዚ ዝሓለፈ ኣርባዕተ ዓመታት፣ ሓንቲ’ውን ትኹን ዞባዊ ወይ ኣህጉራዊ ግጥማት ከተካይድ ብዘይምኽኣላ፣ ካብ ደረጃ መሳልል ፊፋ ተገሊላ ትርከብ።

ስእሊ፡- ካብ ኣርካቭይስ ኢንተርነት

==================

COMMENTS

WORDPRESS: 0