ኢትዮጵያ፣ 33 ሚልዮን ዶላር ዝግመት ኣህጉራዊ ዕዳ ምኽፋል ትስእን

Radio Erena: Thursday, 28 December 2023

ኢትዮጵያ 33 ሚልዮን ዶላር ዝግመት ኣህጉራዊ መንግስታዊ ቦንድ ኩፖንክትከፍል ብዘይምኽኣላ ትማሊ ሰሉስ ብወግዒ ንሳልሳይ ግዜ ኣብ ኣፍሪቃ ዕዳኣ ክትከፍል ዘይከኣለት ሃገር ኮይና።

11 ታሕሳስ 2023 ክኽፈል ዝነበሮ ናይ 33 ሚልዮን ዶላር ቦንድ፣ ኣብ ግዚኡ ስለ ዘይተኸፍለ ብመሰረት ዝነበረ ናይ ልቓሕ ውዕል ን14 መዓልቲ ዕድል ተዋሂቡዋ ብምጽናሕ፣ ኣብ ግዚኡ ውን ኣይተኸፍለን።

ሰበስልጣን መንግስቲ ኢትዮጵያ ነዚ ኩነታት ኣመልኪቶም ንዝቐረበሎም ሕቶታት ርእይቶ ይኹን መልሲ ኣይሃቡን።

እታ ሃገር ምስ ካልኦት ክልተ ሃገራት ኣፍሪቃ ዛምብያን ጋናን ብምዃን ምሉእ ደረጃ ሓባራዊ ማዕቀፍማለት ዕዳኣ ዝከሓሓሰሉ መንገድታት ክግበረላ ትጽቢታት ይግበር።

ኣብ ኣፍሪቃ ብብዝሒ ህዝቢ ኣብ ካልኣይ ደረጃ ትስራዕ ኢትዮጵያ፣ ለበዳ ኮቪድ-19ን ኣብ ትግራይ ዝተኻየደ ኲናትን ዘስዓቦ ኣብ ከቢድ ቁጠባዊ ቅልውላው ተሸሚማ ትርከብ።

ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ፣ ኲናት ትግራይ ኣብ ዝካየደሉ ዝነበረ እዋን ኣብ መጋቢት 2020 ብጉጅለ 20 ናብ ዝፍለጣ ሃብታማት ሃገራት ኣብ ዝልኣኾ ምሕጽንታ፣ ባንክ ዓለም ንዝበዝሓ ድኻታት ሃገራት ኣፍሪቃ ምስፍሕፋሕ ኮሮና ቫይረስ ንምግታእ፣ ን10ታት ዓመታት ዝተዋህለለን ናይ ልቃሕ ዕዳ ክስርዘለንን ነተን ትሑት ሃገራዊ እቶት ዘለወን ድማ ወለድ ናይ ዝተለቅሕኦ ዕዳ ክእለየለን ሓቲቱ ኔሩ።

እዚ ከምዚ’ሉ እንከሎ፡ ከቢድ ዋሕዲ ናይ ወጻኢ ሸርፊ ኣጋጢምዎ ዘሎ መንግስቲ ኢትዬጵያ፡ ካብ ኣህጉራዊ ማዕከን ገንዘብ ልዕሊ 3 ቢልዮን ዶላር ልቃሕ ይሓትት ምህላዉ ተሓቢሩ።

=================

COMMENTS

WORDPRESS: 0