ላዕለዋይ ኣኽባር ሕጊ ሱዳን፤ኣንጻር ፈጣን ሓይልታት ምልሻ ክሲ፤ ናብ ሕቡራት ሃገራት ኣቕሪቡ

Radio Erena: Sunday, 06 August 2023

ላዕለዋይ ኣኽባር ሕጊ ሱዳን፤ኣንጻር ፈጣን ሓይልታት ምልሻ ዝቐንዐ ክሲ ናብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣቕሪቡ።

እቲ ቀሪቡ ዘሎ ክሲ፤ ጾታዊ ዓመጽ፤ መሸጣን ምጭዋይን ደቀንስትዮ ዝኣመሰለ ዝርከቦ ኮይኑ፤ ኣብ ከተማ ካርቱምን ምዕራብ ዳርፉርን ይካየድ ምህላዉ የመልክት።

ኣቐድም ኣቢሉ ሲሃ ዝተባህለ ተጣባቒ መሰል ደቀንስትዮ ኣብ ዘቕረቦ ጸብጻብ፤ ኣባላት ፈጣን ምልሻ ነቲ ገበናት፤ ካብ ህዝቢ ከይተኸወሉ ብቓልዕ ይፍጽምዎ ምህላዎም ምግላጹ ዝዝከር’ዩ። ድሕሪ’ቲ ጸብጻብ መንግስቲ ሱዳን መርማሪት ጉጅለ ብምቛም ኣብ ዝኣከቦ መርትዖታት፤ ኣብ ውሽጢ ሒደት መዓልታት፤ ልዕሊ 500 ሰባት ተሰዊሮም፤ ብውሑዱ ኣብ ልዕሊ 20 ደቀንስትዮ ከኣ ጾታዊ ዓመጽ ከምዝተፈጸመ ገሊጹ።

ኣብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ሓላፊት ምቁጽጻር ጾታዊ ዓመጽ ፕራሚላ ፓተን፤ ምስ ሓዉ ንመራሒ ፈጣን ሓይልታት ሓምዳን ዳግሎ ዝኾነ ምኽትሉ ዓብደልራሒም ዳግሎ ተራኺባ ኣብ ዝሃበቶ ቃል፤ ኣብ ዳርፉር ንባርነት ዘገልግላ ደቀንስትዮ ዝሽየጣሉ ክሳብ ዕዳጋ ምኽፋት በጺሑ ምህላዉ ገሊጻ።

ዓብደልራሒም ዳግሎ፤ ‘ኣብ እዋን ኲናት ቀንዲ ግዳያት ደቀንስትዮን ህጻናትን እዮም’ ብምባሉ፤ ብዛዕባ’ቲ ዝፍጸም ዘሎ ግፍዕታት እኹል ኣፍልጦ ከምዘለዎ ዘመልክት’ዩ፤ ክብሉ ተጣበቕቲ መሰላት ምረቶም ይገልጹ።

እታ መንግስቲ ሱዳን ኣቚሙዋ ዘሎ መርማሪት ጉጅለ፤ ካብ ሚኒስትሪታት ወጻኢ ጉዳያትን ፍትሒን፤ ሰራዊት፤ ፖሊስን ቤት ጽሕፈት ስለያን ዝተዋጽኡ ክኢላታት ዝሓቖፈት ክትከውን እንከላ፤ ቀንዲ ዕላማኣ ብምልሻ ፈጣን ሓይልታት ተፈጺሙ ዝተባህለ ገበናት ኩሉ መርትዖታት ብምእካብ፤ ንሓለፍቲ’ቲ ምልሻ ንምኽሳስ ዝዓለመ እዩ።

COMMENTS

WORDPRESS: 0