ኣብ መንጎ ሰራዊት ፈደራልን ዕጡቕ ሓይሊ ፋኖን ክካየድ ዝቐነየ ውግእ ናብ ሓያሎ ከባቢታት ክልል ጎንደር ኣስፋሕፊሑ

Radio Erena: Sunday, 06 August 2023

ኣብ መንጎ ሰራዊት ፈደራልን ዕጡቕ ሓይሊ ፋኖን ክካየድ ዝቐነየ ውግእ ናብ ሓያሎ ከባቢታት ክልል ጎንደር ከምዘስፋሕፈሐ ኣብ ዝግለጸሉ ዘሎ እዋን፤ ቆንስል ሚኒስተራት ኢትዮጵያ ኣብቲ ዞባ ናይ ህጹጽ እዋን ኣዋጅ ክጸንዕ ወሲኑ።

እቲ ናይ ህጹጽ እዋን ኣዋጅ፤ ንሽዱሽተ ኣዋርሕ ዝጸንሕ ኮይኑ፤ መንግስቲ’ታ ሃገር፤ ናይ እቶ እቶ ሰዓታት ክእውጅ፤ ተፍትሽ ከካይድ፤ ምንቅስቓስ ህዝብን መካይንን ክገትእ፤ ህዝቢ ከይእከብ ክኽልክል ስልጣን ዝህብ እዩ።

ኣመሓደርቲ ክልል ጎንደር፤ ካብ ፈደራል መንግስቲ ሓገዝ እኳ እንተሓተቱ፤ ናይ መዛተዪ መድረኽ ንምፍጣር ደኣ’ምበር ሰራዊት መጺኡ ካልእ ኲናት ሓድሕድ ንምፍጣር ኣይነበረን ድሕሪ ምባሎም፤ ሕጂ’ውን ፍልልያቶም ብዘተ ክፈትሑ እዋኑ ከምዘይሓለፎ ኣዘኻኺሮም።

ኣዘዝቲ ሰራዊት ኣብ ዝህብዎ ዘለዉ መግለጺታት ብወገኖም፤ ፋኖ ቦታታት ተቖጻጺሩ ቀዋሚ መዓስከር ከይመስረተ እንከሎ ብዕሸሉ ክቑጸይ ኣለዎ ይብሉ።

ኣብዚ እዋን’ዚ ኣብ ጎንደር ደብረታቦር፤ ደብረማርቆስ፤ ላሊበላ፤ ቆቦን ወልድያን ዝርከብዎ ሓያሎ ከባቢታት ውግእ ይካየድ ምህላዉ እዩ ዝግለጽ።
ሓደ ካብቲ ቀንዲ ጠንቅታት ናይዚ ዝካየድ ዘሎ ውግእ፤ ኣብ ምዕራባውን ደቡባዊን ክልል ጎንደር ዝርከብ ከባቢታት፤ ኣብ 1992 ብህወሓት ዝተወርሰ መሬትና’ዩ፤ ክብሉ ዕጡቓት ፋኖ ሕቶ ምልዓሎም ምዃኑ ይግለጽ።

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0