ኤርትራ፣ ብማዕከናት ዜና ኢትዮጵያ ዝደጋገም ዘሎ ጎስጓስ ዋንነት ኣፍደገ ባሕሪ፣ ኣብ ህዝቢ ሻቕሎት ይፈጥር

Radio Erena: Thursday, 26 October 2023

ብወገን ኢትዮጵያ ዝደጋገምን ብጹዑቕ ጎስጓስ ዝካየደሉን ዘሎ ዋንነት ኣፍደገ ባሕሪ፣ ኣብ ህዝቢ ኤርትራ ሻቕሎት ፈጢሩ ምህላዉ ምንጭታት ኤረና ካብ ኣስመራ ሓቢሮም።

ብሜድያታት ጥራይ ዘይኮነ ቀዳማይ ሚኒስተር ዝርከቦም ወከልቲ መንግስቲን ኣምባሳደራትን፣ ኢትዮጵያ ብዘይኣፍደገ ባሕሪ ክትነብር ኣይትኽእልን’ያ ዝብል ብጽዑቕ ዝጉስጉስሉ ዘለው ዘመተ ንኵናት ዝዕድም ከይከውን ብወገን ብዙሓት ኢትዮጵያውያን’ውን ተመሳሳሊ ሻቕሎት ምህላዉ ኣብ ማሕበራዊ ሜድያ ዝወሃብ ርእይቶታት የመልክት።

ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ኣብ ዝተኻየደ ናይ ቀረባ ኵናት፣ ገና ሞት ደቁ ንዘይተረድአ ህዝቢ ኤርትራ፣ እንደገና፣ ቀይሕ ባሕሪ ንኢትዮጵያ ናይ ሞትን ህይወትን ጉዳይ’ዩ እናተባህለ፣ ብማዕከናት ዜና መንግስቲ ኢትዮጵያ ዝቐርብ ዘሎ ታህዲድ ዝተሓወሶ ጽዑቕ መግለጺታት፣ ብወገን መንግስቲ ኤርትራ መልሲ ክወሃቦ ዘይምርኣዩ ንህዝቢ ብዝበኣሰ ኣሻቒልዎ ምህላዉ’ዩ ዝጠቕስ እቲ ዝበጽሓና ሓበሬታ።

ከም ልሙድ ኣብ ስቕታ ጸኒሑ፣ ብሃንደበት ናብ ኵናት ዝኣቱ መንግስቲ ኤርትራ፣ ኣብዚ ብወገን ኢትዮጵያ ተጀሚሩ ዘሎ ዘመተ ዋንነት ኣፍደገ ባሕሪ’ውን ስቕ ምምራጹ፣ ኵናት ንኸይውላዕ ዝኾነ ውሕስነት ስለዘለዎ ኣይኮነን ክብሉ ኤረና ዝተወከሰቶም ዲፕሎማሰኛታት ብወገኖም የረድኡ።

መንግስቲ ኤርትራ፣ ኣብዚ ዝሓለፈ 30 ዓመታት፣ ምስ ሱዳን፣ የመን፣ ኢትዮጵያ፣ ጂቡቲ ዘካየዶ ኵናት ይኹን ኣብዚ ቀረባ ድማ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ኣብ ዝኣተዎ ኵናት ትግራይ፣ ንህዝቢ እኹል ሓበሬታ ከይሃበን፣ ካብ ህዝቢ ሕቶ፣ ርእይቶን ውሳኔን ከይሰምዐን ከይተቐበለን ዝፈጸሞ ምዃኑ ይፍለጥ።

ኣብዚ እዚ ሕጂ ብወገን ኢትዮጵያ ዝደጋገም ዘሎ፣ ኣዋጅ ኵናት ዘስምዕ ሕጋዊ መሰል ኣፍደገ ባሕሪ ዝብል ዘመተ’ውን፣ መንግስቲ ኤርትራ ተመሳሳሊ ናይ ስቕታ መርገጺ ምሓዙ’ዩ ንህዝቢ ኣሻቒሉ ዝርከብ።

ካብ ኵናት ትግራይ ዝተሳሕበ ዝበዝሐ ክፋል ሰራዊት ኤርትራ’ውን እንተኾነ፣ ብስም ማእቶትን ካልእ ወፍርታትን ልሙድ ምንቅስቓሳት ኣብ ምክያድ ዝርከብ እኳ እንተኾነ፣ ብዛዕባ’ዚ ብኢትዮጵያ ዝካየድ ዘሎ ሓድሽ ዘመተ ግና ዛጊት ዝተዋህቦ ወግዓዊ መብርሂን ሓበሬታን ከምዘየለ ‘ዩ ዝግለጽ።

ብሰንኪ እቲ ኣብ ትግራይ ዝተኻየደ ኵናት፣ ናብርኦም ራሕሪሖም ክኸትቱ ዝተጸውዑ ኣረጋውያን ዝርከብዎም ኣቦታትን ኣለይቲ ስድራን፣ ሕጂ’ውን ብዳግማይ ክተት ናብ ኵናት ከይኣትዉ ሰጊኦም ምህላዎም እቲ ካብ ኣስመራ ዝበጽሓና ሓበሬታ ብተወሳኺ ይጠቕስ።

====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0