ላዕለዋይ ቤት ምኽሪ ሰብኣዊ መሰላት ‘እስራኤል ብገበናት ኲናት’ ክትሕተት ይእምም

RADIO ERENA – Monday, 08 April 2024

ላዕለዋይ ቤት ምኽሪ ሰብኣዊ መሰላት ውድብ ሕቡራት ሃገራት እስራኤል ኣብ ወሽመጥ ቃዛ ብእተካይዶ ዘላ ኲናትን ጃምላዊ መቕጻዕትን ተሓታቲት ክኸውን ዘኽእል እማመ ኣጽዲቑ::

እዚ እማመ ዛጊት ልዕሊ 33 ሽሕ ፍልስጤማውያን መብዛሕትኦም ህጻናት ኣብ ዝተቐትሉሉ እዋን ዝጸድቕ ዘሎ ኮይኑ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካን ጀርመንን ዝርከብአን 6 ሃገራት ኣንጻሩ ኣጽዲቐን::

እንተኾነ ካብ 44 ሃገራት እተን 26 ነቲ እማመ ብምድማጸን ክጸድቕ እንከሎ: 13 ድማ ድምጺ ተዓቅቦ ጌረን::

ብቀዳም 7 ጥቅምቲ 2023 ንግሆ ኣብ ወሽመጥ ቃዛ ዝመደበሩ ፍልስጤማዊ ዕጡቕ ጉጅለ ሓማስ ብመሬት ባሕርን ሰማይን ኣብ ልዕሊ እስራኤል ሃንደበታዊ መጠነ ሰፊሕ መጥቃዕቲ ከምዘካየዱ ይዝከር::

በቲ ኣብ ዝሓለፈ 50 ዓመት ዝዓበየ ከምዝኾን ከምዝኾነ ዝተነግረሉ መጥቃዕቲ ብደብዳብ ተወንጫፊ ሮኬታት ከምዝጀመረ ቀጺሉ ዕጡቓት ሓማስ ብባሕርን ብመሬትን ንኣሽቱ ዓድታት ተቖጻጺሮም ኔሮም::

እቶም ዕጡቓት ኣስታት 600 እስራኤላውያን ወተሃደራት ሰላማውያን ሰባት ክቐትሉ እንከለዉ ልዕሊ 200 ድማ ጨውዮም ናብ ቃዛ ብምውሳድ ጅሆ ሒዞሞም ኔሮም::

ግብረመልሱ ናይዚ እስራኤል ንዝሓለፈ 6 ወርሒ ኣብ ልዕሊ ወሽመጥ ቃዛ ሰላማዊ ህዝቢ ኣብ ምድሓን ኣብ ግምት ዘየእተወ ሓያል መጥቃዕቲ ብምክያድ መግቢ: ማይ: ነዳዲ: ኤሌክትሪክ ይኹን ካልእ መሰረታዊ ኣገልግሎት ናብ ቃዛ ከትይኣቱ ኣጊዳ ጸኒሓ::

=============

COMMENTS

WORDPRESS: 0