‘ሩስ ኩክ’ ካብ ጫፍ ንጫፍ ኣፍሪቃ ብጉያ ወዲኡ

RADIO ERENA – Monday, 08 April 2024

‘ሩስ ኩክ’ ዝተባህለ እንግሊዛዊ ጎያያይን ናይ ረድኤት ሓገዝ ኣዋህላልን ካብ ደቡብ ጫፍ ኣፍሪቃ ናብ ሰሜን ብምጉያይ ክብረወሰን ሴሩ::

እቲ ‘ብብርቱዕ ጊንጢ’ (‘Hardest Geezer’) ብዝብል ሳጓ ዝፍለጥ ወዲ 27 ዓመት ጎያይ 16 ሃገራት ሰጊሩ 16 ሽሕ ኪሎሜተር ጎዩ::

‘ሩስ ኩክ’ ነቲ ጉያ 22 ሚያዝያ 2023 ኬፕ ኣጉላስ ደቡብ ኣፍሪቃ ክጅምሮ እንከሎ ኣብ መዓልቲ ኣስታት 40 ኪሎሜተር እናጎየየ ነቲ ርሕቀት ድሕሪ 352 መዓልቲ ዛዚምዎ::

‘ሩስ ኩክ’ ነቲ ጉያ ኣብ ምክያድ ብጎስጓስ ዝኣከቦ 870,000 ዶላር ክንልተ ትካላት ግብረሰናይ ወፍይዎ::

=============

COMMENTS

WORDPRESS: 0