ፖል ካጋመ ምኽንያት ጃምላዊ ህልቂት ሩዋንዳ ንማሕበረሰብ ዓለም ይነቅፍ

RADIO ERENA – Monday, 08 April 2024

ትማሊ ሰንበት 7 ሚያዝያ መበል 30 ዓመት ዝኽሪ ‘ህልቂት ሩዋንዳ’ ኣብ ዝተገብረሉ እዋን ፕረዚደንት ኣብ ዘስመዖ መደረ ‘ህልቂት ሩዋንዳ ደው ክብል ይኽእል ኔሩ’ ብምባል ውድቀት ማሕበረሰብ ዓለም ኣብ ምድሓን ግዳያት ነቐፉ::

ፖል ካጋመ ኣብ ከተማ ኪጋሊ 260 ሽሕ ግዳያት መቕዘፍቲ ኣብ ዝተቐብሩሉ ቦታ ተረኺቡ: ማሕበረሰብ ዓለም እንተስ ብንዕቀት እንተስ ብምጅጃው ንኹላትና ግዳያት ጌሩና ክብል ተዛሪቡ::

ኣብ 1994 ኣብ ሩዋንዳ ኣብ ዝተኻየደ ጃምላዊ ህልቂት ኣብ ውሽጢ 100 መዓልቲ ኣስታት 800 ሽሕ መብዛሕትኦም ዓሌት ቱትሲ ገለ ድማ ዓሌት ሁቱ ከምዝተቐዝፉ ይፍለጥ::

ኣብቲ ፕረዚደንት እስራኤል ኢሳቕ ኤርዞግን ፕረዚደንት ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ነበር ቢል ክሊንተንን ካልኦት መራሕትን ልኡኻት መንግስታትን ዝተረኽቡሉ ናይ ዝኽሪ መደብ ‘ህልቂት ረዋንዳ’ ክፍጸም ኢዳ ኣጣሚራ ከምዝረኣየት እዩ ፕረዚደንት ፖል ካጋመ ኣዘኻኺሩ::

ጃምላዊ ህልቂት ሩዋንዳ ማሕበረሰብ ዓለም ብፍላይ ድማ ፈረንሳ ደው ከተብሎ ተኽእሎ ከምዝነበራ ብተደጋጋሚ ክንቀፍ ዝጸንሐ ኮይኑ ፕረዚደንት ፈረንሳ ኢማኑኤል ማክሮን ኣብ ዝለኣኾ ናይ ቪድዮ መልእኽቲ ‘ፈረንሳ ይኹን ማሕበረሰብ ዓለም ነቲ ህልቂት ደም ከብሉ ተኽእሎ’ኳ እንተነበረ ናይ ምግባር ባህጊ ከምዘይነበረ ተኣሚኑ::

ፕረዚደንት ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ነበር ቢል ክሊንተን ብወገኑ ማሕበረሰብ ዓለም ይኹን ምምሕዳሩ ንሩዋንዳውያን ካብ ምድሓን ከምዝፈሸለ ገሊጹ ኔሩ እዩ::

=============

COMMENTS

WORDPRESS: 0