ኢትዬጵያ፣ ሕጋዊ መንበሪ ፍቓድ ዘይብሎም ወጻእተኛታት ጉዳዮም ኣብ ውሽጢ ሓደ ወርሒ ከጻርዩ ኣጠንቂቓ

Radio Erena: Friday, 05 January 2024

ኣብ ኢትዬጵያ፣ ብዘይሕጋዊ መንበሪ ፍቓድ ዝነብሩ ዘለዉ ወጻእተኛታት፣ ጉዳዮም ኣብ ውሽጢ ሓደ ወርሒ ከጻርዩን፣ ሕጋዊ መንበሪ ፍቓድ ክሕዙን ክፍሊ ኢምግሬሽንን ዜግነትን እታ ሃገር ጸዊዑ።

ኣገልግሎት ዜና ኢትዬጵያ፣ ንሓላፊት እቲ ክፍሊ፣ ሰለማዊ ዳዊት ብምጥቃስ፣ ብ04 ጥሪ፣ ኣብ ዘቕረቦ ዜና፣ ኣብታ ሃገር፣ ኣስታት 18 ሽሕ ወጻእተኛታት ብናይ ናይ ሓሶት ወይ ድማ ዝተሰነዐ ሰነድ ይንበሩ ምህላዎም ጠቒሱ።

ብዙሓት ካብቶም ብናይ ሓሶት መንነት ወረቐት፣ መንበሪ ፍቓድ ወይ ቪዛን ናይ ኩባንያታት ኣስማትን ይንበሩ ኣለዉ ክትብል’ያ ሰለማዊት ኣገንዚባ።

ንሳ ብተወሳኺ፣ ኣዝዩ ብዙሕ ቁጽሪ ዘለዎም ወጻእተኛታት ድማ ብዘይዝኾነ ሰነድን ሕጋዊ ቅጥዕታትን ኣብ ኢትዮጵያ ይንበሩ ምህላዎም ኣስሚራትሉ።

ክፍሊ ኢምግሬሽንን ዜግነትን ኢትዬጵያ ምስ ፈደራል ፖሊስ ብምትሕብባር፣ ነቶም ሕጋዊ ቅጥዒታት ዘየማልኡ ወጻእተኛታት ናብ ሕጊ ንምቕራቦም ይሰርሕ ምህላዉ ‘ውን ኣፍሊጣ።

ኩሎም ቶም ሕጋዊ መንበሪ ፍቓድ ዘይብሎም ወጻእተኛታት ክሳብ መወዳእታ ወርሒ ጥሪ ዕድል ተዋሂብዎም ከምዘሎ ብምዝኽኻር ድማ፣ ነዚ ዘየማልኡ ሕጋዊ ስጉምቲ ክውሰደሎም ምዃኑ ኣጠንቂቓ።

ኣብ ኢትዮጵያ፣ ብፍላይ ከተማ ኣዲስ ኣበባ፣ ብዝያዳ ንኤርትራውያን ዘነጻጸረ ግፋን ማእሰርቲን ክካየድ ከምዝቐየነ ይፍለጥ።

ኣብቲ ፖሊስ ዘካይዶ ግፋታት፣ ሕጋዊ መንበሪ ፍቓድ ዘለዎም ኤርትራውያን ከይተረፈ፣ ጉዳይኩም ክሳብ ዝጻረ ተባሂሎም ከምዝተኣስሩ በብእዋኑ ክግለጽ ጸኒሑ’ዩ።

እዚ ከምዚ’ሉ እንከሎ፣ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ተገፊፎም ኣብ ዝተፈላለያ ኣብያተ ማእሰርቲ ተታሒዞም ዝጸንሑ ሓያሎ ኤርትራውያን ከምዝተፈትሑ ተገሊጹ።

ስእሊ፦ ካብ ኣርካይቭስ ኢንተርነት

===================

COMMENTS

WORDPRESS: 0