እስራኤል: ዛጊት 27 ኤርትራውያን ተቐቲሎም ኣለዉ

Radio Erena: Monday, 05 February 2024

ኣብ እስራኤል 23 ደቀንስትዮ ብመጻምድተንን ብጾተንን ክቕተላ እንከለዋ ካብ 2019 ንድሓር ጥራይ ድማ ኣርባዕተ ኤርትራውያን ብደቂ ሃገሮም ተቐቲሎም ከምዘለዉ ተሓላቒት ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ ወይዘሮ ኤልሳ ጭሩም ኣብ ዘውጸኣቶ ጸብጻብ ሓቢራ::

ብ20 ጥሪ 2024 ኣብ ርሾን ጽዮን ዝተባህለት ከተማ ኣብ ልዕሊ ዑመር ዓብደላን ሱልጣን ሳልሕን ዝተባህሉ ክልተ ኤትራውያን ብካልኦት ኤርትራውያን ዝወረደ መጥቃዕቲ ዑመር ሂወቱ ክስእን እንከሎ ሱልጣን ድማ ብከቢድ ቆሲሉ ኣሎ::

ኣብ ልዕሊ ዑመርን ሱልጣንን መጥቃዕቲ ዘካየዱ ሽዱሽተ ኤርትራውያን ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣትዮም መርመራ ይካየደሎም ኣሎ::

ኣቐዲሞም ዝተቐትሉ ኤርትራውያን ኪሮስ ተስፋሚካኤል ባርያጋብር: ሃይለ መስፍን: ደጀን ተስፋጋብር መስፍን ዝበሃሉ ኮይኖም ገለ ካብቲ ቅትለት ፖለቲካዊ ድፍኢት ክኸውን እንከሎ ገለ ድማ ምኽንያቱ ዘይትፈልጠ እዩ::

ኣካያዲት ዘይመንግስታውን ዘይመኽሰባውን ትካል ‘ሓልዮት ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ’ ወይዘሮ ኤልሳ ጭሩም ብ20 ጥሪ ዝተኽየደ መጥቃዕቲ ገለ ውልቀሰባት ‘ሃይማኖታዊ’ ድፍኢት ኔርዎ ክብሉ ዝህብዎ ዘለዉ ርእይቶታት ዘይሓላፍነታዊ ምኳኑ ገሊጻ::

ብመሰረት ‘ሓልዮት ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ’ ኣብ እስራኤል ብዙሕ ሰብ ዘይፈልጦ 23 ኤርትራውያን ደቀንስትዮ ብብጾተንን መጻምድተንን ህይወተን ሓሊፉ ኣሎ።

ኣብ እስራኤል ኣብ መንጎ ኤርትራውያን መጻምድቲ ዘሎ ዘይምርድዳእን ዘይምትእምማንን: ከምኡ’ውን ናይ ፖለቲካ ፍልልይ ዝፈጥሮ ምፍሕፋሕን ኣብ ኣዝዩ ኣሰካፊ ቀውሲ ይርከብ ኣሎ::

ኤርትራውያን ብመገዲ ማሕበረኮማት ይኹን ካልእ ኣገባብ ሽግራቶም ክፈትሑ እንተዘይክኢሎም እቲ ኩነታት ከይብእስ ይስጋእ::

=================

COMMENTS

WORDPRESS: 0