ህወሓትን ብልጽግና፣ መሰረታዊ ጠንቂታት ኩናት ሰሜን ኢትዮጵያ ብፖለቲካ ዘተ ንምፍትሑ ፈላሚ ርክብ ኣካይዶም

RADIO ERENA –Thursday, 04 April 2024

 

ህዝብዊ ወያነ ሓርነት ትግራይን ኣብ ስልጣን ዘሎ ሰልፊ ብልጽግናን፣ ጠንቂ ናይቲ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ብፍላይ ድማ ኣብ ክልል ትግራይ ዝተኻየደ ኵናት፣ ብፖለቲካዊ ዘተ መዕለቢ ንምርካብ ኣብ ዘኽእል ፖለቲካዊ ዘተ ንምክያድ ቀዳማይ እግሪ ርክብ ከምዝጀመሩ ተሓቢሩ።

ብምክትል ፕረዚደንት ብልጽግና፣ ኣቶ ኣደም ፋራሕ ዝምራሕ ልኡኽ ናይቲ ኣብ ስልጣን ዝርከብ ሰልፊ፣ ብ02 ሚያዝያ ናብ መቀለ ብምእታው፣ ምስ ፈጻሚ ጉዳያት ህወሓት ብምርካብ ከምዝተመያየጠ ክልቲኦም ወገናት ኣረጋጊጾም።

ዕላማ ዑደት ላዕለዎት መራሕቲ ሰልፊ ብልጽግና፣ ፖለቲካዊ ዘተ ንምጅማር ኣብ ዘኽእል ነጥብታት ንምምይያጥ ምኳኑ ህወሓት ኣብ መግለጺ ጠቒሱ።

ካብ ሕዳር 2020 ክሳብ ሕዳር 2022 ዝቕጸለ ኵናት ትግራይ፣ ብውዕል ፕሪቶርያ ደው እኳ እንተበለ፣ ዓመቱ ሓሊፉ ዛጊት ዝተጀመረ ፖለቲካዊ ዘተ ግና ኣይነበረን።

እዚ ድማ፣ ክልቲኦም ወገናት ዛጊት ምትእምማን ክፈጥር ዝኽእል ፖለቲካዊ ምቅርራብ ከምዘይብሎም ዘርኢዩ እናተባህለ ዩ ጸኒሑ።

ኣብ ውዕል ፕሪቶርያ ሰፊሩ ካብ ዘሎ ነጥብታት፣ ኵናት ብህጹጽ ደው ይብል፣ መሰረታዊ ኣገልግሎታትን ህጹጽ ሰብኣዊ ሐገዛትን ብዘይዕንቅፋት ይቕጽል፣ ብዘይካ ናይ ፈደራል ሰራዊት፣ ሰራዊት ኤርትራ ዝርከቦም ካልኦት ሓይልታት ካብቲ ክልል ክወጽኡ፣ ህወሓት ዕጥቁ ክፈትሕ፣ ግዝኣት ክልል ትግራይ ቅድሚ ኵናት ናብ ዝነበረ ይምለስ፣ ዝተመኣበሉ ነናብ ዓድታቶም ይምለሱን ዳግማይ ናብ ግጭት ከይውላዕ ነባሪ ፍታሕ ንምምጻእ ፖለትካዊ ዘተን ዝብል ይርከቦ።

መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ኣብ ትግራይ ዝተልዐ ኵናት ብውዕል ፕሪቶርያ ደው ከብሎ እኳ እንተኸኣለ፣ ኣብ ክልላት ኣምሓራ ኦሮሞን ዝተጎሃሃረ ግጭታት ግና ይቕጽል ኣሎ።

====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0