ሱዳን፣ ንፍጡር ዝተኣከቡ መራሕቲ ዕጡቕ ጉጅለ ብዝተኻየደሎም ደብዳብ ብውሕዱ 12 ተቐቲሎም

RADIO ERENA –Thursday, 04 April 2024

ኣብ ሱዳን፣ ከባቢ ኣጥባራ፣ ብ02 ሚያዝያ ፣ ንፍጡር ተኣኪቦም ኣብ ልዕሊ ዝነበሩ መራሕቲ ዕጡቕ ጉጅለ ኣልባራ ቢን ማሊክ ብዝተፈጸመ ናይ ድሮን ደብዳብ ብውሕዱ 12 ከምዝተቐትሉን 30 ድማ ከምዝቖሰሉን ተሓቢሩ።

እቲ ብርጌድ ኣል ባራ ቢን ማሊክ ዝጽዋዕ ዕጡቕ ጉጅለ፣ ምስቲ ብጀነራል ኣልቡርሃን ዝምራሕ ሰራዊት መንግስቲ ብምዃን፣ ኣንጻር እቲ ብጀነራል ሓምዳን ዳጋሎ ዝምራሕ ፈጣን ሓይልታት ይዋጋእ ከምዘሎ ይፍለጥ።

ካብ ካርቱም ወጻኢ ኣብ ልዕሊቲ ጉጅለ ከምዚ ዓይነት መጥቃዕቲ ክካይድ እዚ ናይ መጀመርያዩ።

በቲ መጥቃዕቲ ናይ ዝሞቱ ይኹን ዝቖሰሉ መንነት ብዝርዝር ኣይተነጸረን።

እቲ ደብዳብ ኣብ ዝተኻየደሉ እዋን፣ ንፍጡር ዝተዓደሙ ካልኦት ኣዘዝቲ ሰራዊትን ሓለፍቲ ምምሕዳር ዞባታትንከምዝነበሩ ግና ተሓቢሩ።

ናይቲ ደብዳብ ሓላፍነት ዝወሰደሉ ኣካል የለን።

======================

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0