ሩስያ፣ ሓድሽ ኣዛዚ ሓይሊ ባሕሪ ሰይማ፣ ሓደ ካብ ምክትላቱ ናብ ኤርትራ ይበጽሕ

RADIO ERENA –Thursday, 04 April 2024

 

ሩስያ፣ ኣካል ናይቲ ኣብ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ተዋፊሩ ዝርከብ ጭፍራ መራኽብ ዝኾነት ፍሪጌት ዝዓይነታ ናይ ኵናት መርከብ ናብ ወደብ ባጽዕ ኣጸጊዓ ከምዘላ ይፍለጥ።

ሳልስቲ ድሕሪ ምጽጋዕ እዛ መርከብ ድማ፣ ምክትል ኣዛዚ ሓይሊ ባህሪ እታ ሃገር፣ ምክትል ኣድሚራል ቭላድሚር ካሳታኖቭ ናብ ወደባዊት ከተማ ባጽዕ ብምብጻሕ ምስ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ተመያይጡ።

ዑደት እተን ጭፍራ መራኽብን ምክትል ኣዛዚ ሓይሊ ባሕሪን ሩስያ፣ ኣካል ናይቲ ብ‘ፓሲፊክ‘ ዝፍለጥ ጭፍራ መራኽብ ኵናት ሩስያ፣ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ዘካይዶ ዘሎ ወፍሪዩ።

ፕረዚደንት ቭላድሚር ፑቲን፣ ድሕሪቲ ዝሓለፈ ክልተ ቅነ፣ ሓይልታት ዩክሬይን ኣብ ጸሊም ባሕሪ ዝፈጸምዎ መጥቃዕትን ኣብ ልዕሊ ሓይሊ ባሕሩ ዝወረደ ክሳራን፣ ንዋና ኣዛዚ ሓይሊ ባሕሪ እታ ሃገር ኣድሚራል ኒኮላይ የቨመኖቭ ካብ መዝነቱ ከምዝኣለዩዩ ክሕበር ጸኒሑ።

ሚኒስትሪ ምክልኻል እታ ሃገር ብ02 ሚያዝያ ኣብ ዝዘርግሖ ሓበሬታ ድማ፣ ምክልት ዝጸንሐ ኣድሚራል ኣሌክሳንደር ሞይሰየቭ፣ ዋና ኣዛዚ ሓይሊ ባሕሪ ክኸውን ተመዚዙ።

ሩስያ፣ ገዚፍ ክፋል ሓይሊ ባሕሪ ኣብ ሰሜናውን ጸሊምን ባሕሪ ከተዋፍሮ እንከላ፣ እቲ ብፓሲፊክ ዝፍለጥ ጭፍራ መራኽብ ዝሓቖፈ ሓይሊ ድማ ኣብዚ እዋን ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ኣብ ምንስፋፍ ይርከብ።

ብቀይሕ ባሕሪ ንዝመላለሳ ናይ ንግዲ መራኽብ ሃገራት ምዕራብ ዘጥቅዕ ዘሎ ሑቲ ናይ የመን፣ ንመራኽብ ሩስያን ቻይናን ዒላም ከምዘይገብረ እኳ እንተተገልጸ፣ ሩስያ፣ መራኽባ ናብዚ ክሊ ማይ እትልእኽ ዘላ ነቲ ብሃገራት ምዕራብ ዝካየድ ዘሎ ወፍርታት ንምውሽማው ምዃኑ ይትንተን።

ሩስያ፣ ኣብ ፖርት ሱዳን፣ ቀዋሚ ወትሃደራዊ መዓስከር ንምውናን ጻዕርታት ተካይድ እኳ እንተነበረት፣ ኣብታ ሃገር ምስ ምውዳቕ ስርዓት በሺር ድሕሪ ዝተፈጥረ ዘይርጉእ ኩነታትን ድሒሩ ዝሰዓበ ኵናትን ውጥና ክሰምር ኣይከኣለን።

===================

COMMENTS

WORDPRESS: 0