ፊንላንድ፣ ሓድሽ ፍሉይ ልኡኽ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ መዚዛ

Radio Erena: 12 July 2022

መንግስቲ ፊንላንድ፣ ኣብ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ተኸሲቱ ንዘሎ ግጭታትን ሰብኣዊ ቅልውላዋትን ዝከታተል ፍሉይ ልኡኽ መዚዙ።

እቲ መንግስቲ፣ ሶማል ዝትውልዱ፣ ሱልዳን ሰይድ ኣሕመድ ንዝተባህለ ኣባል ባይቶ’ዩ ነዚ ጽፍሒ’ዚ መዚዝዎ።

ንሱ፣ ንማዕከናት ዜና ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፣ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ኣብ ተኣፋፊ መድረኽ ኣብ ዝርከበሉ እዋን ናብዚ ጽፍሒ ምምዳቡ ከቢድ ብድሆ ምዃኑ ብምጥቃስ፣ ኣብ ኩሉ ዝካየድ ጻዕርታት እጃሙ ንምብርካት ክጽዕት ምዃኑ ኣስሚርሉ።

ኣብዚ ቀረባ ድማ ናብ ሃገራት እቲ ዞባ ዑደት ከካይድ መዲቡ ምህላዉ ኣፍሊጡ።

ኣብ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ተኸሲቱ ዘሎ ኵናትን ደርቂን ዝፈጠሮ ቅልውላዋት ንምፍትሑ ኣብ ምትሕግጋዝ ሓያሎ ሃገራት ፍሉያት ልኡኻት መዚዘን ኣለዋ።

ቀርኒ ኣፍሪቃ፣ ኣብዚ እዋን’ዚ ሓደ ካብቲ ኣዝዩ ተሃዋስን ዝበዝሐ ሰብኣዊ ቅልውላው ተኸሲትሉ ዘሎን ዞባ ዓለምና’ዩ።

==================

COMMENTS

WORDPRESS: 0