ፕረዚደንት ሶማል ምስ እስራኤል ዝምድና ምምስራት ኣብ ዝብል ዛዕባ ምስ ፓርላማ ክመክር ምዃኑ ተሓቢሩ

Radio Erena: 12 July 2022

ፕረዚደንት ሓሰን ሸኽ ማሕሙድ፣ ሶማል ምስ እስራኤል ዝምድና ኣብ ምምስራት ብዛዕባ ዘሎ ተኽእሎ ብምትኳር ምስ ፓርላማ ሃገሩ ክዛተ ምዃኑ ንኣፈኛኡ ብምጥቃስ ሄብሪው ሜድያ ሓቢራ።

እቲ ፕረዚደንት ኣብ 23 ግንቦት ስልጣን ካብ ዝርከብ፣ ናብ ሕቡራት ኢማራት ኣብ ዘካየዶ ፈላሚ ዑደቱ፣ ምስ ሰበ ስልጣን እስራአል ከምዝተራኸበ’ውን ተመልኪቱ።

ታይምስ ኦፍ እስራኤል፣ ነቲ ምንጪ ብምውካስ ኣብ ዘቕረበቶ ጸብጻብ፣ እቲ ፕረዚደንት ኣቐዲሙ ኣብ ስልጣን ኣብ ዝነበረሉ ኣብ 2016’ውን ብዛዕባ እዚ ተኽእሎ እዚ ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር እስራኤል ተመያይጡ ምንባሩ ጠቒሳ።

ምስ ሓያሎ ሃገራት ዓረብን ኣስላምን ዝምድና ንምምሕያሽ ተበግሶ ወሲዳ ዘላ እስራኤል፣ ኣብ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ናብ ሱዳን፣ ጂቡቲን ሶማልን ቆላሕታ ኣንቢራ ኣላ።

ምስ ሱዳን ድሮ ርክባት ይካየድ ምህላዉ ክግለጽ እንከሎ፣ ኣብዚ እዋን’ዚ ድማ ምስ ፕረዚደንት ሶማል ትዘራረብ ምህላዋ ተሰሚዑ።

እስራኤል ኣብ 2020 ምስ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ፣ ባሕሬይንን ሞሮኮን ወግዓዊ ዝምድና ምምስራታ ይፍለጥ።

ምስ ሓያሎ ሃገራት ዝምድናታታ እተሰፍሕ ዘላ እስራኤል፣ ኣብ ኤርትራ ዝነበራ ኤምባሲ ክትዓጹ ከምዝወሰነት ኣብዚ ሳልስቲ’ዚ ተገሊጹ’ዩ።

=====================

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0