ፓሪስ፣ ኤርትራውያን ንሓድሕዶምን ኣብ ዘካየድዎ ባእሲ ሓደ ተቐቲሉ

Radio Erena: 11 July 2022

ኣብ ሰሜናዊ ፓሪስ፣ ኣብ መንጎ ኤርትራውያን ብዝተላዕለ ባእሲ፣ ሓደ ክቕተል እንከሎ ካልእ ድማ ከምዝቖሰለ ፖሊስ ሓቢሩ።

ኣብቲ ናብ ቀዳም 9 ሓምለ ዘውግሐ ለይቲ ዝተላዕለ ባእሲ፣ ብፍላይ ሰለስተ ኤርትራውያን ንሓድሕዶም ብካራ መሳሊ በሊሕ ነገር ክተሃራረሙ ከምዝተራእዩ ንጸብጻብ መርማሪ ገበን ፓሪስ ብምጥቃስ መደበራት ዜና ገሊጸን።

ዛጊት ሓደ ሰብ ኣብ ቀይዲ ክኣቱ እንከሎ፣ ፖሊስ ተወሳኺ ምጽራይ ኣብ ምክያድ ይርከብ።

ኣብ ተመሳሳሊ ዕለት፣ ኣብ ጀርመን፣ ክልተ ኤርትራውያን ኣሕዋት ብሓደ ኤርትራዊ መንእሰይ ከምዝተቐትለ ይግለጽ ኣሎ።

እተን 19ን 23ን ዓመት ዝዕድሚኤን፣ ዛህራን ዩስራን ዝተባህላ መንእሰያት፣ ኣብ ከባቢ ከተማ ሙኒክ ‘የን ብዘስካሕክሕ ኣገባብ ተቐቲለን።

ነቲ ቅትለት ፈጺሙ ተባሂሉ ዝጥርጠር ኤርትራዊ፣ ናብ ጥቐአን ከይቀርብ ብፖሊስ መጠንቐቕታ ተዋሂብዎ ምንባሩ መርበባት ሓበሬታ እታ ሃገር ጠቒሰን።

ስእሊ፣- ካብ ኣርካይቭስ ኢንተርነት

================

COMMENTS

WORDPRESS: 0