ፈረንሳ፣ “ንሓንቲ ፓኮ ሽጋራ ዋጋ ምሳሕ ኮይኑ”

Radio Erena: 16 August 2019

ካብ ዕለት ናብ ዕለት እናዛየደ ንዝመጽእ ዘሎ ብዝሒ ኣትከኽቲ ሽጋራ ክትቆጻጸር ዘይክኣለት ፈረንሳ፣ ዋጋታቱ ዓመታዊ ክትውስኸሉ’ያ ትርአ።

ኣብዚ እዋን’ዚ ንሓንቲ ፓኮ ሽጋራ፣ ኣስታት 10 ዶላር ክሽየጥ ዝወሰነት ፈረንሳ፣ ብሰንኪ ምትካኽ ንዝስዕብ ጥዕናዊ ጸገም ንዝግበር ናይ ሕክምና ወጻኢታት፣ ካብዚ ብኽቡር ዋጋ ዝሽየጥ ዘሎ ናይ ሽጋራ ኣታዊታት ንምክሕሓሱ’ያ ትጽዕር።

75% ናይ ነፍሲ ወከፍ ሽያጥ ሽጋራ ግብሪ መንግስቲ’ዩ።

ኣብ ኤውሮጳ፣ ሓንቲ ካብተን ዝኸበረ ዋጋ ሽጋራ ዘለዋ ፈረንሳ፣ ምስ ጎረባብቲ ጀርመንን ኢጣልያን እንተተወዳዲሩ ጥራይ፣ ብዕጽፊ ዝዛየደ’ዩ። በዚ ዋጋ’ዚ’ውን ደው ትብል ኣይትመስልን።

ኣብዚ ሳልስቲ’ዚ፣ ድማ ብትካኽ ሽጋራ ንዝብከል ዘሎ ጎደናታት ንምጽራይ፣ ሓድሽ ተበግሶታት ክውሰድ ምዃኑ ይዝረበሉ ኣሎ።

ዘትከኽዎ ሽጋራ ፈቐድኡ ዝድርብዩ ሰባት ብምቅጻዕ፣ ጽሬት ጎደናታት ፈረንሳ ምሕላው ሓደ ካብቲ መደብ’ዩ።

ኣቐዲማ፣ ኣብ ህዝባዊ ቦታታት፣ መጓዓዝያ፣ ኣብያተ መግቢ፣ ባራትን ካልእ ከባቢታት ሽጋራ ከይትኸኽ ዝኸልከልት ፈረንሳ፣ ሕጂ ድማ ትካኽ ሽጋራ ፈቀድኡ ምድርባይ ብጽኑዕ ክትእግድ’ያ ትመስል።

ኣብ ጎደናታት ፓሪስ፣ ቡንን ሽጋራን ዘዘውትሩ ዓማዊል፣ ነዚ ኣብ ልዕሊ ሽጋራ ዝግበር ዘሎ ጽዑቕ ኣገዳታት፣ ንባህሊ እታ ከተማ ዘህስስ’ዩ እናበሉ ክቃወሙ ይስምዑ።

ብፍላይ ነንዕለት ዝውስኽ ዋጋታቱ፣ “ዋጋ ምሳሕ ኮይኑ” ክብሉ’ዮም ዘማርሩ።

ምስ ጥዕናን ብከላ ኣከባቢን ተኣሳሲሩ ስለዝግለጽ፣ ሰማዒ ክረኽቡ ይኽእሎም ዝብል ግምታት የለን።

======================

COMMENTS

WORDPRESS: 0