ናትናኤል ብርሃነ፣ ኣብ ዙር ፈረንሳ ብዘርኣዮ ብቕዓት፣ ክለብ ኮፊዲስ ውዕሉ ኣናዊሓትሉ

Radio Erena:- 15 August 2019
ፈረንሳዊት ክለብ ኮፊዲስ፣ ኤርትራዊ ተቐዳዳማይ ብሽክለታ፣ ናትናኤል ብርሃነ፣ ኣብ ዙር ፈረንሳ ብዘርኣዮ ብቕዓት፣ ንተወሳኺ ክልተ ናይ ቅድድም ወቕቲ ምስኣ ንኽጸንሕ ውዕል ኣናዊሓትሉ።

ጋዜጣ ለ-ኢኵፕ ኣብ ዘቕረበቶ ሓበሬታ፣ ኣካያዲ ስራሕ እታ ክለብ፣ ሰድሪክ ቫሰር፣ ብብቕዓት እቲ ኤርትራዊ ተቐዳዳማይ ዕጉብ ምዃኑ ጠቒሳ።

ናትናኤ ብርሃነ፣ ቅድሚ ወርሒ ኣብ ዝተኻየደ ቅድድም ብሽክለታ ዙር ፈረንሳ፣ ኣብ 10 መድረኽ፣ ብዘርኣዮ ብቕዓት፣ ጻዕረኛ ተቐዳዳማይ ወይ ኮምባቲቭ ራይደር ተባሂሉ ናብ ፖድዮም ከምዝደየበ ይፍለጥ።

ሻምፕዮን ኤርትራ ዝኾነ ናትናኤል ብርሃነን ዳኒኤል ተኽለሃይማኖትን፣ ድሒራ ናብ ዳይመንሽን ዳታ ምስ ዝቀየረት ደቡብ ኣፍሪቃዊት ክለብ MTN–Qhubeka ተጸንቢሮም ኣብ ናይ 2016 ቅድድም ብሽክለታ ዙር ፈረንሳ ምስታፎም ኣይርሳዕን።

ናትናኤል ብርሃነ ብዘይካ’ዚ ኣብ 2017 ኣብ ጂሮ ኢጣልያን’ውን ተሳቲፉ’ዩ።

ኣብ ከም በዓል ቮልታ ስጳኛን ካልኦትን’ውን ዝተሳተፈ ናትናኤል ብርሃነ፣ ሓደ ካብቶም ብደረጃ ኤርትራን ኣህጉርን ጎሊሖም ዝርኣዩ ተቀዳደምቲ’ዩ።

ኣቐዲሙ፣ ኣብ 2013 ኣባል ፈረንሳዊት ክለብ ኤሮፕ-ካር ዝነበረ ናትናኤል ብርሃነ፣ ኣብ ጋቦን ኣብ ዝካየድ፣ ኣፍሪቃ ብዕብየቱ ኣብ ቀዳማይ ደረጃ ዝስራዕ ቅድድም ኣሚሳ ቦንጎ ምዕዋቱ ይዝከር።

ምስ ክለብ ኮፊዲስ ንክልተ ናይ ቅድድም ወቕቲ ክስለፍ ውዕሉ ኣሐዲሱ ዘሎ ናትናኤል፣ ብቕዓቱ ብኸምዚ ዘለዎ እንተቐጺሉ፣ ኣብ ዝመጽእ ዓመት ኣብ ዙር ፈረንሳ ክሳተፍ ትጽቢት ኣሎ።

ኤርትራውያን ኣብ ዙር ፈረንሳ ዝተሳተፉ ናይ መጀመርያ ጸለምቲ ኣፍሪቃውያን ተቐዳደምቲ ኣብ ርእሲ ምዃኖም፣ ናትንናኤል ብርሃነ፣ ኣብዚ ዙር ብብዝሒ ብምስታፉ ብደረጃ ጸሊም ኣፍሪቃ፣ ቀዳማይ ተሰሪዑ ይርከብ።

ዙር ፈረንሳ፣ ኣብ ቅድድም ብሽክለታ ብዕብየቱ ብደረጃ ዓለም ቀዳማይ’ዩ ዝስራዕ።

COMMENTS

WORDPRESS: 0