ኢትዮጵያ፣ ኣብ ሓደ ወርሒ 8 ሽሕ ናይ ገዛ ሰራሕተኛታት ናብ ስዑዲ ዓረብ ንምልእኽ ትዳሎ

Radio Erena: 16 August 2019

ኢትዮጵያ፣ ኣብ ሓደ ወርሒ ኣስታት 8 ሽሕ ናይ ገዛ ሰራሕተኛታት ናብ ስዑዲ ዓረብ ንምልኣኽ ምድላዋት ከምዝተጻፈፈ ሳውኡ ጋዜጣ ሓቢራ።

ጋዜጣ ኣል መዲና ብወገና፣ ንቆንስል ኢትዮጵያ ኣብ ስዑዲ ዓረብ ብምምጥቃስ ኣብ ዘቕረበቶ ጸብጻብ፣ ኣብ ኢትዮጵያ ናይ ገዛ ሰራሕተኛታት ንምቑጻር ዝተዳለዋ ብውሕዱ 150 ወኪላት ኣለዋ።

ብመሰረት እቲ ሓበሬታ፣ ብመንገዲ ‘ዘን ወኪላት፣ ኣብ ሓደ ወርሒ ክሳብ 8 ሽሕ ሰራሕተኛታት ናብ ስዑዲ ንምልኣኽ፣ ብሚኒስትሪ ዕዮ ስዑዲ ዝተማእከለ፣ ብኤሌክትሮኒክ ዝተሰነየ ናይ ሰነደ ምድላው መስርሕ ክካየድ’ዩ።

እተን ኢትዮጵያውያን፣ ቅድሚ ናብ ስራሕ ምውፋረን፣ ንባህሊ፣ ስርዓትን ሕግን ስዒዲ ዓረብ ዝምልከት ናይ ሓደ ወርሒ ስልጠና ክወሃበን ምዃኑ ይግለጽ።

ንሓንቲ ካብ ኢትዮጵያ እትልኣኽ ናይ ገዛ ሰራሕተኛ፣ ካብ 7 ክሳብ 8 ሽሕ ርያል ስዑዲ ዓረብ ወይ ድማ ኣስታት 2 ሽሕ ዶላር ወጻኢ ከምዘድሊ ዝጠቐሰ እቲ ጸብጻብ፣ ወርሓዊ ደሞዝ ኣስታት 1 ሽሕ ሪያል ወይ ድማ ኣስታት 260 ዶላር ከምዝበጽሕ ኣፍሊጡ።

ኣብ ስዑዲ ዓረብ፣ ኣብ ናይ ገዛ ስራሕ ዝተዋፈራ ኣስታት 2.4 ሚልዮን ወጻእተኛታት ከምዘለዋ ጸብጻባት እታ ሃገር የመልክት።

ኢትዮጵያ ሓንቲ ካብተን ብብዝሒ ሰራሕተኛታት ገዛ ናብ ስዑዲ ዓረብ እትልኽ ሃገር’ያ።

እንተኾነ፣ ኣብ ልዕሊ ብዙሓት ኢትዮጵያ ሰራሕተኛታት ገዛ፣ ብስዑዳውያን ብዙሕ ግፍዕታት ከምዝወርደን ብተደጋጋሚ ይግለጽ።

ስዑዲ ዓረብ ኣብዚ ክልተ ዓመታት ልዕሊ 250 ሽሕ ኢትዮጵያን ብግፍዒ ናብ ዓዶም ከምዝሰጎጎት ጸብጻብ ሁማን ራይትስ ዎች ይወቅስ።

==========================

COMMENTS

WORDPRESS: 0