ጀነራል ኣደም መሓመድ ሓድሽ ሓለቓ ስታፍ ሰራዊት ኢትዮጵያ ኮይኑ ተመዚዙ

Radio Erena: 01 July 2019

ጀነራል ኣደም መሓመድ ሓድሽ ሓለቓ ስታፍ ሰራዊት ኢትዮጵያ ኮይኑ ተመዚዙ።

ጀነራል ሰዓረ መኮነን ሓላዊኡ ካብ ዝነበረ ብዝተተኮሰሉ ጥይት ድሕሪ ሙሟቱ፣ ሓላፊ ስለያን ጸጥታን ዝነበረ ጀነራል ኣደም መሓመድ ስልጣን ሓለቓ ስታፍ ሰራዊት ተረኪቡ ኣሎ።

ምኽትሉ ዝነበረ ደመላሽ ገብረሚካኤል ከኣ ቦትኡ ተኪኡ ሓድሽ ሓላፊ ስለያን ጸጥታን’ታ ሃገር ኮይኑ ከምዘሎ፣ ካብታ ሃገር ዝተፈነወ ዜና ኣመልኪቱ።

ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣብይ ኣሕመድ ብተወሳኺ፣ ንሓላፊ ሎጂስቲክስ ሰራዊት ዝነበረ ለተናል ጀነራል ሞላ ሃይለማርያም፣ ኣዛዚ ሰራዊት ምድሪ ኢትዮጵያ ክኸውን መዚዙዎ ኣሎ።

ብኻልእ ወገን ኣብ ታይላንድ ኣብ ሕክምና ተዓቚቡ ዝጸንሐ ጀነራል ኣብራሃ ወልደማርያም ከምዝሞተ ካብ ኣዲስ ኣበባ ዝተፈነወ ዜና ኣመልኪቱ።

ኣብ ግዜ ምምሕዳር ቀዳማይ ሚኒስተር ነበር ሃይለማርያም ደሳለኝ ናብ ምሉእ ናይ ጀነራል መዓርግ ዝተሰጋገረ ጀነራል ኣብራሃ፣ ድሕሪ ምምጻእ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ናብ ስልጣን፣ ጥሮታ ወጺኡ እዩ ጸኒሑ።

COMMENTS

WORDPRESS: 0