ብዓሰርተታት ኣሽሓት ዝቑጸር ህዝቢ ሱዳን፣ 30ሰነ ሰፊሕ ሰላማዊ ሰልፊ ኣካዪዱ

Radio Erena: 01 July 2019

ብዓሰርተታት ኣሽሓት ዝቑጸር ህዝቢ ሱዳን ብሰንበት 30 ሰነ ሰፊሕ ሰላማዊ ሰልፊ ኣካዪዱ።

ወተሃደራት ሱዳን ኣብ ልዕሊ ሰልፈኛታት ተኹሲ ብምኽፋቶም ብኣማኢት ዝቑጸሩ ሰላማውያን ሰባት ድሕሪ ሙማቶም ደስኪሉ ዝጸንሐ ህዝባዊ ናዕቢ ሱዳን፣ ማሕበር ሞያውያን’ታ ሃገር ብዝገበሮ ጻውዒት ዳግማይ ናብ ጎደናታት ካርቱም ክወጽእ ጀሚሩ ከምዘሎ’ዩ ዝግለጽ።

ዓብላሊ ወተሃደራዊ ሓይሊ ዝጭብጥ ዘሎ ምልሻ ጃንጃዊድ ቀቅድሚ’ቲ ሰላማዊ ሰልፊ ምክያዱ፣ ኣብ ቤት ጽሕፈት ማሕበር ሞያውያን ብምእታው፣ ኣብ ኣኼባ ንዝነበሩ ወደብቲ’ቲ ሰላማዊ ሰልፊ በቲንዎም እዩ።

ማሕበር ሞያውያን ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፣ ሱዳን ናብ ውጹእ ወተሃደራዊ ምልኪ ተምርሕ ስለዘላ፣ ዝጀመርናዮ ቃልሲ ኣብ መፈጸምትኡ ከነብጽሖ ዝያዳ መስዋእትነት ክሓተና’ዩ ብምባል፣ ህዝቢ ብጽንዓት ኣብያኡ ክቕጽል ጸዊዑ።

ኣብዚ ብሰንበት 30 ሰነ ዝተኻየደ ሰላማዊ ሰልፊ ሓለዋ ሰራዊት ጽኑዕ ከምዝነበረን፣ ክሳብ ከበድቲ ኣጽዋር ዝዓጠቑ ሰራዊት ኣብቲ ሰላማዊ ሰልፊ ተዋፊሮም ከምዝነበሩን፣ ናይ ዓይኒ መሰኻኽር ብምጥቃስ ሮይተርስ ካብቲ ከባቢ ሓቢሩ።

ኣብ ተመሳሳሊ ግዜ ኣብ ገዳርፍን ኡምዱርማንን ኣብ ዝተኻየደ ሰላማዊ ሰልፊ፣ ሰራዊት ህዝቢ ንምብታን ዘንብዕ ጋዝን ጠያይትን ከምዝተኮሱ ተሓቢሩ።

ወተሃደራዊ ቆንስል ሱዳን፣ ብሓደ ወገን ንእማመ ሰላም ኢትዮጵያን ሕብረት ኣፍሪቃን ከምዝተቐበለ ክገልጽ እንከሎ፣ ብካልእ ወገን ከኣ ሰላማዊ ሰልፊ ከይካየድ ምኽልካሉ፣ ዝተሓዋወሰ መልእኽቲ የመሓላልፍ ኣሎ፣ ክብሉ ዲፕሎማስያውያን ምንጭታት ወተሃደራዊ ቆንስል ስልጣን ንሲቪላዊ መንግስቲ ንምርካብ ዘለዎ ዘይቅሩብነት ይገልጹ።

COMMENTS

WORDPRESS: 0