ኣብ ከተማ ኣስመራ ሕጽረት ማይን ኤለክትሪክን ዳግማይ ኣጋጢሙ

Radio Erena: 01 July 2019

ኣብ ከተማ ኣስመራ ሕጽረት ማይን ኤለክትሪክን ኣጋጢሙ ከምዘሎ ምንጭታት ሬድዮ ኤረና ሓቢሮም።

መንግስቲ ኤርትራ ኣገልግሎት ማይን ኤለክትሪክን ናብ ርሑቕ ገጠራት ከስፍሕ ጻዕሪ ከምዝገብር ዝገልጽ እኳ እንተኾነ፣ ኣብታ ድሮ መሳለጥያታት ተሃኒጹላ ዝጸንሐ ከተማ ኣስመራ እውን እንተኾነ ነዚ ጠለብ’ዚ ከማልእ ኣይከኣለን።

ኣቐድም ኣቢሉ ኣብ ኣስመራ ዝዝርጋሕ ዝነበረ ዕሹግ ማይ ደው ክብል ዝኣዘዘ መንግስቲ ኤርትራ፣ ኣብዚ ሕጂ እዋን ኣጋጢሙ ንዘሎ ሕጽረት ኣገልግሎታት ማይን ኤለክትሪክን ዝኾነ መብርሂ ኣይሃበሉን።

ኣብ ከተማ ኣስመራ ሕጽረት ማይ ኣብ ዘጋጠመሉ እዋን፣ ወነንቲ ዕሹግ ማይ ዝሰርሓ ትካላት ምስ ገለ ሰበስልጣን ተሰማሚዖም ብፍሉይ መስመር ማይ ብሓለፋ ክወሃቦም ስለዝጸንሐ መንግስቲ ምጽራይ ክሳብ ዝገብረሉ’ዩ ደው ኣቢሉወን ዝብል ወረ ኣስፋሕፊሑ ምንባሩ ይዝከር።

ኣገልግሎት ኤለክትሪክ ሓሓሊፉ ክጅምርን ክቋረጽን ዝረአ እኳ እንተኾነ፣ ኣገልግሎት ማይ ደው ብምባሉ ግና ንህዝቢ ከተማ ኣስመራ ብከቢድ ሃስዩዎ ከምዘሎ’ዩ ዝግለጽ።

COMMENTS

WORDPRESS: 1
  • comment-avatar
    ነጋ 5 years ago

    ኢሳያስ ዝብሃል ንህዝቢ ኤርትራ ከድኪን ከብኪን ከጽንትን ክብትንን ተዓጢቑ ዝወፈረ ሰላዪ ኢትዮጵያዊ ክሳብ ዘሎ ህዝቢ ኤርትራ ክቐስንን ክርህዎን ማለት ዘበት ኢዩ። ስለዚ ህዝቢ ኤርትራ ፍታሕ ካብ አምላኽካን ስሙር ቃልስታትካን እምበር፣ ካብ ደመኛ ጸላኢኻ ኢሳያስ ከቶ አይትጸበ።