ደቡብ ሱዳን፣ ብማሕበራዊ ሜድያታት ዝተጸውዕ ናይ ተቓውሞ ሰልፊ ከይካየድ ፕረዚደንት እታ ሃገር ኣጠንቂቑ

Radio Erena: 17 May 2019

ደቡብ ሱዳን፣ ብፌስቡክን ትዊተርን ዝተጸውዐ ናይ ተቓውሞ ሰልፊ ከይካየድ ፕረዚደንት እታ ሃገር ሳልቫ ኪር ሚያርዲት ኣጠንቂቑ።

እቲ ፕረዚደንት ኣብ ዘመሓላለፎ መጠንቀቕታ፣ ንመንግስቲ ደቡብ ሱዳን ብጎነጽን ናዕብን ንምእላይ ዝካየድ ተቓውሞ፣ ተሪር ግብረ መልሲ ክህበሉ ምዃኑ ሓቢሩ።

“ቀይሕ ካርድ” ዝተሰምየ ምንቅስቓስ ደቡብ ሱዳን፣ ፕረዚደንት ኪር ካብ ስልጣኑ ክእለ ዘመልክት ሃሽታግ #KiirMustGo ብማሕበራዊ ሜድያታት ብምዝርግሑ፣ ንትማሊ ሓሙስ 16 ግንቦት’ዩ ሰፊሕ ሰለማዊ ሰልፊ ክካየድ ጸዊዑ።

እንተኾነ፣ እቲ ናይ ተቓውሞ ሰለማዊ ሰልፊ መደብ ከምቲ ዝተመደበሉ ክዕወት ከምዘይክኣለ ተሓቢሩ።

እቲ ናይ ተቓውሞ መደብ፣ ኣብ ጎረቤት ሃገር ሱዳን ብዝተኻየደ፣ ንናይ 30 ዓመታት ፕረዚደንት ነበር፣ ዑመር ሓሰን ኣል በሺር ካብ ስልጣን ዝኣለየ ህዝባዊ ተቓውሞ ከምዝተተባብዐ’ዩ ዝግለጽ።

እዚ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዝካየድ ዘሎ፣ ንሓያሎ ዓመታት ስልጣን ዝበሓቱ መራሕትን ውድባቶምን ናይ ምፍንቃል ህዝባዊ ተቓውሞታት፣ ኣብ ኤርትራውያን’ውን ጽልዋን ስምዒታትን ኣሕዲሩ ከምዘሎ ዝፍለጥ’ዩ።

እንተኾነ፣ ኣብ ኤርትራ፣ ብዝሒ ተጠቃሚ ኣገልግሎት ኢንተርነት ኣስታት 1 ሚእታዎት ጥራይ ምስ ምዃኑ፣ መንግስቲ’ውን ጽኑዕ ቁጽጽር ስለዝገብረሉን፣ ብማሕበራዊ ሜድያታት ህዝባዊ ተቓውሞ ምውዳብ ቀሊል ከምዘይከውን ይዝረበሉ።

========================

COMMENTS

WORDPRESS: 0