ፕረዚደንት ዚምባብዌ ነበር ሮበርት ሙጋበ፣ ዝውንኖ ዘመናዊ ናውቲ ሕርሻ ናብ ጨረታ ይወርድ

Radio Erena: 17 May 2019

ንዚምባብዌ ን37 ዓመታት ዝመርሐ፣ ሮበርት ሙጋበ ዝውንኖ ዘመናዊ ናውቲ ሕርሻ ብጨረታ ይሽየጥ ከምዘሎ ማዕከናት ዜና እታ ሃገር ሓቢረን።

እቲ ሚልዮናት ዝተገመተ፣ ትራክተራት፣ ዘራእቲ፣ ዓጸድቲ፣ ኣእካል ዘመላለሳ መካይንንን ካልእን ዘጠቓለለ ናውቲ ማሕረስ፣ ብጨረታ ክሽየጥ ዝግበረሉ ዘሎ ምኽንያት፣ እቲ ፕረዚደንት ነበር ዘለዎ ዕዳ ንምኽፋል’ዩ ተባሂሉ።

እንተኾነ፣ እቲ ዕዳ ካብ መን ምዃኑ ኣይተገልጸን።

ብመሰረት ሕጊ እታ ሃገር፣ ሓደ ዜጋ ካብ ሓደ ናይ ሕርሻ መሬታ ንላዕሊ ክውንን ዘይግብኦ እኳ እንተኾነ፣ ፕረዚደንት ነበር ሮበርት ሙጋበ ግና፣ ድኻታት ሓረስቶት ካብ መሬቶም እናባረረ፣ ኣብ ምህርቲ ጸባን ካልእን ዘተኮረ ሰፋሕቲን ዘመናውን ሕርሻታት ወኒኑ ምጽንሑ’ዩ ተቓሊዑ።

ኣብዚ እዋን’ዚ 95 ዓመቱ ተቓሪቡ ዘሎ ሮበርት ሙጋበ፣ ነታ ሃገር ን37 ዓመታት ድሕሪ ምምራሕ፣ ኣብ 2017፣ ብውትሃደራዊ ዕልዋ ካብ ስልጣኑ ከምዝተኣልየ ይዝከር።

እዚ ከምዚ’ሉ እንከሎ፣ መንግስስቲ ዚምባብዌ፣ ኣብ እዋን ስርዓት ሙጋበ፣ ብዘይሕጋዊ መንገዲ መሬቶም ተመንዚዖም ዝንጸንሑ ጸዓዱ ሓረስቶታት ይኽሕስ ከምዘሎ ብመንግስቲ እትውነን ጋዜጣ ‘ሄራልድ’ ሓቢራ።

ሚኒስትሪ ፋይናንስ እታ ሃገር ብዝሃቦ መግለጺ መሰረት፣ በቲ ናይ ሙጋበ ናይ መሬት ፖሊሲ፣ ናይ ሕርሻ መሬቶም ዝተመንዝዑ 93 ጸዓዱ ዜጋታት እታ ሃገር ናይ ኣስታት 64 ሚልዮን ዶላር ካሕሳ ተዋሂብዎም ኣሎ።

ብዝነበራ ሃብታም ሕርሻዊ እቶት “ሞሶብ ኣፍሪቃ እናተባህለ” እትግለጽ ዝነበረት ዚምባብዌ፣ ኣብ እዋን ስርዓት ሙጋበ ንከቢድ ድኽነት ተቓሊዓ፣ ብሰንኪ ዝቕባበ፣ ባጤራኣ ካብ ዕዳጋ ክሳብ ዝእለ’ያ ኮይና።

======================

COMMENTS

WORDPRESS: 0