የመን፣ ሓደ ካብ ቀንዲ መራሕቲ ኣልቃዒዳ ምዃኑ ዝተነግረሉ ውልቀሰብ ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር የእትዮም

Radio Erena: 19 May 2019

ሓይልታት ሰራዊት ናይቲ ኣብ ስደት ዝርከብ መንግስቲ የመን፣ ሓደ ካብ ቀንዲ መራሕቲ ኣልቃዒዳ ምዃኑ ዝተነግረሉ ውልቀሰብ ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ከምዘእተዉ ካብታ ሃገር ዝተፈነወ ዜና ኣመልኪቱ።

እቲ ብቢላል ዓሊ ዋፊ ዝፍለጥ ኣብ የመን ናይ ዝመደበሩ ጉጅለ ኣልቃዒዳ ሓደ ካብ መራሕቲ ምዃኑ ዝግለጽ ዘሎ ውልቀሰብ፣ ብቀዳም 18 ግንቦት ብዝተኻየደ ስርሒት ኣብ ዞባ ጣይዝ ከምዝተማረኸ እዩ ተሓቢሩ።

ሺንሁዋ ብወገኑ ኣብ ዘቕረቦ ጸብጻብ፣ ቢላል ዓሊ፣ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ተደለይቲ ሰባት ኢላ ካብ ዘቐመጠቶም 11 መራሕቲ ኣልቃዒዳ ሓደ ሙዃኑ ኣፍሊጡ።

ኣብቲ ስርሒት፣ ቢላል ዓሊ ህጻናትን ደቀንስትዮን ከም ድፋዕ ተጠቒሙ ክዋጋእ ከምዝፈተነ፣ እንተኾነ ግና ፈኲስ መቑሰልቲ ኣጋጢሙዎ ብኡ ንብኡ ኣብ ኢድ ሰራዊት መንግስቲ የመን ከምዝወደቐ ይግለጽ።

ቢላል ዓሊ ዋፊ ኣብ 2012 ኣብ የመን ኣብ ዝተኻየደ ሽበራዊ መጥቃዕቲ ቀንዲ ካብ ሃንደስቱ ከምዝነበረ እዩ ዝንገረሉ። ኣብቲ ኣጋጣሚ ልዕሊ 100 ወተሃደራት የመን ሙሟቶም ይፍለጥ። ካብ 2017 ኣትሒዙ ከኣ ኣመሪካን ሃገራት ወሽመጥን ንቢላል ዓሊ ምስ ኣህጉራዊያን ኣሸበርቲ ብምስራዕ ኣብ ጸሊም መዝገብ ኣስፊረንኦ ጸኒሐን።

COMMENTS

WORDPRESS: 0