ኮሚሽን ጸረብልሽውና ኢትዮጵያ፣ ላዕለዎት ሰበስልጣን’ታ ሃገር፣ ንዝተዋህቦም ናይ ግዜ ገደብ ከኽብሩ ጻውዒት ኣቕሪቡ

Radio Erena: 31 May 2020

eth_corrupኮሚሽን ስነምግባርን ጸረብልሽውናን ኢትዮጵያ፣ ላዕለዎት ሰበስልጣን’ታ ሃገር፣ ንብረቶም ከመዝግቡ ንዝተዋህቦም ናይ ግዜ ገደብ ከኽብሩ ጻውዒት ኣቕሪቡ።

ብመሰረት መግለጺ’ቲ ኮሚሽን፣ ካብ ቀዳማይ ሚኒስተርን ፕረዚደንትን ጀሚሩ፣ ኩሎም ላዕለዎት ሰበስልጣን መንግስቲ ዘለዎም መጠን ሃብቲን፣ ንሳቶም ኮነ ቤተሰቦም ዝውንንዎ ንብረትን ብወግዒ ዘመዝግቡ ግዜ፣ ክሳብ 7 ሓምለ ጥራይ ክጸንሕ’ዩ።

ነቲ ብ ቁጽሪ 668/2010 ዝፍለጥ ኩሎም ሰበስልጣን መንግስቲ ውህሉል ገንዘቦምን ንብረቶምን ከመዝግቡ ዝሓትት ኣዋጅ ኣኽቢሮም ድሮ ዘተግበሩዎ ከምዘለዉ እኳ እንተተሓበረ፣ ገለ ሰበስልጣን ግና በቲ ሕጊ ዘይምቕያዶም እቲ ኮሚሽን ኣፍሊጡ።

እንተኾነ ናይቶም ንብረቶም ምምዝጋብ ዝሓንገዱ ሰበስልጣን ኣስማት ብወግዒ ኣይገለጸን።

ኢትዮጵያ፣ ንዝሓለፉ ኣስታት 20 ዓመታት ንብልሽውና ዝቆጻጸር ኮሚሽን ከምዘለዋ ዝፍለጥ እኳ እንተኾነ፣ ካብ ለገስቲ ሃገራት ዝርከብ ብቢልዮናት ዶላራት ዝግመት ገንዘብ ከምዝጣፋፋእ ጸብጻባት የመልክቱ።

COMMENTS

WORDPRESS: 0