ፈረንሳ ኣብ ግሪኽ ካብ ዝርከቡ ስደተኛታት ን750 ሰባት ዑቕባ ክትህብ’ያ

Radio Erena: 31 May 2020

ፈረንሳ ኣብ ግሪኽ ካብ ዝርከቡ ስደተኛታት ን750 ሰባት ዑቕባ ክትህብ ምዃና ኣፍሊጣ።

ቤት ጽሕፈት ሚኒስተር ጉዳይ ስደተኛታት ግሪኽ ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ፣ ሚኒስተራት ጉዳያት ወጻኢ ፈረንሳን ግሪኽን ድሕሪ ዘካየዱዎ ዝርርብ፣ ፈረንሳ ኣብ ግሪኽ ዝጸንሑ ስደተኛታት ዝተፈላለያ ሃገራት ከተጣይስ ከምዝወሰነት ኣፍሊጡ።

350 ካብቶም ስደተኛታት፣ ኣላዪ ዘይብሎም ትሕቲ ዕድመ ህጻናት እዮም።

እቲ መግለጺ ብተወሳኺ፣ ምጥያስ’ዞም ስደተኛታት ኣብ መጀመሪያ ናይዚ ዓመት ክካየድ ተመዲቡ እኳ እንተነበረ፣ ብሰንኪ ለበዳ ኮሮና ቫይረስ ምንቅስቓስ ብምድራቱ ከይተኻየደ ምጽንሑ ኣፍሊጡ።

ኤምባሲ ፈረንሳ ኣብ ግሪኽ ብወገኑ ኣብ ዝሃቦ መብርሂ፣ እቶም ፈረንሳ ዝተቐበለቶም 750 ሰባት ኣብ ወርሒ ሰነ ክግዕዙ እኳ እንተኾኑ፣ እቶም ጉዳዮም ተቐባልነት ዘይረኸበ ዜጋታት ኣፍሪቃ፣ ናብ ሃገሮም ዝምለሱሉ መንገድታት ንምንዳይ፣ እቲ ዘተ ክቕጽል ምዃኑ ሓቢሩ።

ፈረንሳ ኣብ ኣተሓሕዛ ጉዳይ ስደተኛታት ንዘለዋ ጸገምን፣ ሕብረት ኤውሮጳ ንዝሃባ ቁጽሪ ስደተኛታት ክትቅበል ብዘይምኽኣላን፣ ካብ ዝተፈላለዩ ተጣበቕቲ መሰላት’ታ ሃገር ነቐፌታ ክቐርበላ ጸኒሑ’ዩ።

COMMENTS

WORDPRESS: 0