ኬንያ፣ ምስ ኮሮነ ቫይረስ ዝመሳሰል ሕማም፣ ልዕሊ 200 ኣግማል ከምዝቐተለ ተገሊጹ

Radio Erena: 07 August 2020

ኣብ ሰሜናዊ ኬንያ፣ ዞባ ማርሳቢት፣ ካብ ዝሓለፈ ኣዋርሕ ኣትሒዙ ኣማኢት ኣግማል ዝቐተለ ሕማም ምስ ኮረና ቫይረስ ምምስሳል ከምዘለዎ ሰበ መዚ ጥዕና እታ ሃገር ገሊጾም።

ሰብ መዚ ጥዕና እቲ ዞባ፣ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ፣ እቲ ኣብቲ ዞባ ኣግማል ዝቐትል ዘሎ ሕማም ምስ ኮረና ቫይረስ ዝመሳሰል እኳ እንተኾነ፣ ንደቂ ሰብ ዝፈጠሮ ስግኣት ግና ከምዘየለ ኣፍሊጦም።

ኣግማል ዘፍርዩ ሰለስተ ሰባት ምልክታት እቲ ናይ ምስትንፋስ ጸገም ዝፈጥር ሕማም ከምዝተርእዮም’ውን ጠቒሶም።

ዛጊት ልዕሊ 200 ኣግማል በቲ ሕማም ከምዝሞታ ዘመልከቱ እቶም ሰበ መዚ ጥዕና፣ ኣፍረይቲ ጥሪት ከቢድ ጸገም ፈጢሩ ከምዘሎ ኣረዲኦም።

ዞባ ማርሳቢት ናይ ኬንያ ምስ ኢትይጵያን ሶማልን ዝዳወብ ኮይኑ፣ ኣፍረቲ ጥሪት እቲ ከባቢ ካብን ናብን እናተንቀሳቐሱ’ዮም ኣግማልን ካልእን ዝሸጡ።

===================

COMMENTS

WORDPRESS: 0