ለንደን፣ ኣብ ኤርትራ ተኸሲቱ ዘሎ ማሕበራዊ ሕሰም ከብቅዕ ዝጽውዕ ሰለማዊ ሰልፊ ተኻይዱ

Radio Erena: 07 August 2020

ኣብ ለንደን ከባቢኣን ዝነብሩ ኤርትራውያን፣ ኣብ ኤርትራ ተኸሲቱ ዘሎ ማሕበራዊ ሕሰምን ወረ ኵናትን ከብቅዕ ዝጽውዕ ሰለማዊ ሰልፊ ኣካይዶም።

ኣብ ኤርትራ፣ ለበዳ ኮረና ቫይረስ ንምግትእ ጸኒዑ ብዘሎ ምንቅስቓስ ህዝቢ ዝድርት ኣዋጅ፣ ንህዝቢ ንጥሜንትን ከቢድ ማሕበራዊ ሕሰምን ኣቃሊዕዎ ከምዘሎ ዝፍለጥ’ዩ።

እቲ ሎሚ ሓሙስ 6 ነሓሰ፣ ኣብ ለንደን፣ ቀጽሪ ቤት ጽሕፈት ጉዳያት ወጻኢ ሓባራዊ ሃብቲ፣ ዝተኻየደ ሰለማዊ ሰልፊ ድማ እዚ ሕሰም እዚ ከብቅዕ ዝጽውዕ’ዩ።

መንግስቲ ኤርትራ፣ ንህዝቢ ብጥሜትን ብናይ ኵናት ወረን ጅሆ ሒዝዎ ከምዘሎ ኤርትራውያን ይወቕሱ’ይዮም።

ኣብ ጄኔቫ፣ ኣብ ኤርትራ፣ ለበዳ ኮረና ቫይረስ ንምግታእ ዝወጸ ምንቅስቓስ ህዝቢ ዝድርት ኣዋጅ፣ ኣብ ሓያሎ ከባቢታት ከቢድ ናይ መነባብሮ ጸገማት ፈጢሩ ብምህላዉ፣ ህዝቢ ቅልጡፍ ፍታሕ ክረብክ ዝጽውዕ ሰለማዊ ሰልፊ፣ ብ17 ሓምለ ምክያዱ ይዝከር።

ኣብ ኤርትራ፣ ለበዳ ኮሮና ቫይረስ ከይለባዕ ብዝብል ምኽንያት፣ ካብ 12 ለካቲት ኣትሒዙ፣ ምንቅስቓስ ህዝቢ ዝድርት ኣዋጅ፣ ንጥሜትን ካልእ ማሕበራዊ ሕሰማትን ኣቃሊዕዎ ከምዘሎ ክቃላሕ ጸኒሑ’ዩ።

ኣብዚ እዋን’ዚ ሓደ ሓደ ትካላት ክኽፈትን ምንቅስቓስ ህዝቢ ክፋኽዕስ ይርአ እኳ እንተሎ፣ ህዝባዊ መጓዓዝያን ካልእ ወሃብቲ ህዝባዊ ኣገልግሎታትን ዛጊት ስርሑ ኣይጀመረን።

==============

COMMENTS

WORDPRESS: 1
  • comment-avatar
    Angeb 4 years ago

    አዚ ሰለማዊ ሰልፍ ዝገብርዎ ዘለዉ ብዛአባ ናይ ወያነ አርበት አቀርብ ስለ ዘሎ ወያነ ከይትጠፎም ተሻክሎም አዩም