ግብጺን ሱዳንን፣ ብሕብረት ኣፍሪቃ ዝተማእከለ ዘተ ምስ ኢትዮጵያ ደው ክብል ሓቲተን

Radio Erena: 07 August 2020

ግብጺን ሱዳንን፣ ኣብ ጉዳይ ኣጠቓቕማ ናይልን ዲጋ ተሃድሶን ብዝምልከት፣ ብሕብረት ኣፍርቃ ተማእኪሉ ምስ ኢትዮጵያ ዝጀመርኦ ዘተ ደው ክብል ሓቲተን።

እዘን ሃገራት እቲ ዘተ ደው ክብል ዝሓተታ፣ ኢትዮጵያ፣ ብዛዕባ ሕጋዊ ኣገባብ ኣመላእኣ ዲጋ ተሃድሶ ብዝምልከት መብርሂ ክትህብ ፍቓድኛ ብዘይምዃና’የን።

ግብጺ፣ ካብቲ ምስ ኢትዮጵያ ዝተጀመረ ዘተ ከምዝሰሓበት ብወግዒ’ያ ኣፍሊጣ።

ማዕከናት ዜና ዓረብ ብዝህብኦ ዘለዋ ሓበሬታ መሰረት፣ ሱዳን’ውን ኣሰር ግብጺ ብምኽታል ካብቲ ዘተ ስሒባ ኣላ።

ክልትኤን ሃገራት ካብቲ ምስ ኢትዮጵያ ዝጀመረኦ ዝዝርብ ከምዝስሓባ እኳ እንተተገልጸ፣ ቀጺሉ ዝወስድኦ ስጉምቲ ኣይተመልከተን።

=================

COMMENTS

WORDPRESS: 0