ካብ 2017 ኣትሒዞም ኣብ ኤርትራ ተኣሲሮም ዝጸንሑ 10ታት የመናውያን ናብ መንግስቲ የመን ተሰጋጊሮም

Radio Erena: 30 November 2022

ሕቡራት ኢማራት ዓረብ፣ ኣብ 2017 ኣሲራ ናብ ኤርትር ካብ ዘመጽኣቶም 10ታት የመናውያን፣ ኣብ 7 ጥቅምቲ 2022 ናብ ዓዶም ከምዝተሰጋገሩ ምንጭታት ራድዮ ኤረና ሓቢሮም።

እቶም ንሓሙሽተ ዓመታት ኣብ ማእሰርቲ ዝጸንሑ የመናውያን፣ ካብ መዓርፎ ነፈርቲ ባጽዕ፣ ብወትሃደራዊት ነፋሪት ናብ ዓደን ከምዝገዓዙ’ዩ ተገሊጹ።

ብመሰረት እቲ ድሕሩ ዝበጽሓና ሓበሬታ፣ እቶም ኣብ ከባቢ ዳህላክ ተኣሲሮም ዝጸንሑ የመናውያን፣ ኣህጉራዊ ተፈላጥነት ናብ ዘለዎ መንግስቲ የመን ‘ዮም ተርኪቦም።

ኤርትራ፣ ኣብ ኪሊ ማያታ፣ ኣብ ዘይሕጋዊ ምግፋፍ ዓሳ ተዋፊሮም እንከለዉ ከምዝሓዘቶም ዝግለጹ የመናውያን፣ በብእዋኑ ናብታ ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ሑቲ እትርከብ ወደብ ሖደይዳ፣ ብጀላቡ ከተፋንዎም ምጽንሓ ይፍለጥ።

========================

COMMENTS

WORDPRESS: 0