ሱዳን፣ ኣብ 8 ኣዋርሕ፣ ኣስታት ፍርቂ ቢልዮን ዶላር ዝዋግኡ ነዳዲ ናብ መጻርዩኣ ከምዝኣለየት ደቡብ ሱዳን ወቒሳ

Radio Erena: 29 November 2022

ካብ ደቡብ ሱዳን ብሻምብቖታት ኣቢሉ ብመንገዲ ሱዳን ናብ ዕዳጋ ዓለም ክቕረብ ካብ ዝተላእከ ነዳዲ፣ እቲ 446 ሚልዮን ዶላር ዝግመት፣ ናብ መጻርዩ እታ ሃገር ከምዝተኣልየ መንግስቲ ደቡብ ሱዳን ወቒሱ።

‘ሱዳን፣ መዓልታዊ 28 ሽሕ በርሚል ነዳዲ፣ ናብ መጻረዪታታት ትኣሊ ኣላ’ ክብል ዝወቐሰ ሚኒስተር ነዳዲ ደቡብ ሱዳን፣ ፑት ካንግ ኮል፣ ተረፍ ናይቲ ኣቐዲሞም ዝኸተምዎ ግዝያዊ ፋይናንስያዊ ስምምዕ ክትመልስ ‘ውን ሓቲቱ።

ብመሰረት መግለጺ እቲ ሚኒስተር፣ ካብ መጋቢት ክሳብ ጥቅምቲ 2022 ኣብ ዝነበረ ሸሞንተ ኣዋርሕ ጥራይ፣ ብድምር ኣስታት ፍርቂ ቢልዮን ዶላር ዝግመት ነዳዲ ብዘይኣፍልጦ ደቡብ ሱዳን ናብ ሱዳን ግዒዙ።

ደቡብ ሱዳን ክሳብ እዚ እዋን’ዚ ልዕሊ 3 ቢልዮን ዶላር ንሱዳን ከፊላ ከምዘላ ዘመልከተ እቲ ሚኒስተር፣ መንግስቲ ሱዳን ግና ዝተኸተሙ ውዕላት ኣየኽብርን’ዩ ዘሎ ክብል ነቒፉ።

መዓልታዊ ኣስታት 150 ሽሕ በርሚል ነዳዲ ከምእተፍሪ እትግለጽ ደቡብ ሱዳን፣ ብሻምብቖታት ኣቢሉ ናብ ሱዳን ድሕሪ ምእታው፣ ካብ ፖርት ሱዳን ‘ዩ ናብ ዕዳጋታት ዓለም ዝልኣኽ።

እንተኾነ፣ ኣብ መንጎ ‘ዘን ክልተ ሃገራት ብጉዳይ መሸጣ ነዳዲ ዘይምትእምማን ተፈጢሩ ስለዘሎ፣ ደቡብ ሱዳን ወደባት ጂቡቲን ካልኦት ኣብ ምብራቕ ኣፍሪቃ ዝርከባ ሃገራትን ከም ኣማራጺ ክትግልገለሉ ኣብ ዳህሳስ ትርከብ።

ስእሊ፦ ሚኒስተር ነዳዲ ደቡብ ሱዳን፣ ፑት ካንግ ኮል (ካብ ኣርካይቭስ ኢንተርነት)

======================

COMMENTS

WORDPRESS: 0