ማእከላይ ባሕሪ፣ ኣብዚ ዓመት’ዚ ልዕሊ 860 ስደተኛታትን ሓተቲ ዑቕባን ሃለዋቶም ጠፊኡ

Radio Erena: 30 November 2022

ኣብዚ ዓመት’ዚ፣ ካብ ገማግም ባሕሪ ሊብያ ተበጊሶም ናብ ሃገራት ኤውሮጳ ንምእታው ካብ ዝተበገሱ፣ ዜጋታት ኤርትራ ዝርከብዎም 10ታት ኣሽሓት ስደተኛታትን ሓተቲ ዑቕባን፣ ናይ 863 ሃለለዋቶም ከምዘይተፈልጠ ኣህጉራዊ ማሕበር ስደተኛታት – IOM ገሊጹ።

እቲ ኣህጉራዊ ትካል ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፣ ኣብዚ ዓመት 508 ስደተኛታትን ሓተቲ ዑቕባን ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ጥሒሎም ከምዝሞቱ ከረጋግጽ እንከሎ፣ 20, 842 ድማ ብሓለዋ ባሕሪ ተታሒዞም ናብ ሊብያ ከምዝተመልሱ ኣመልኪቱ።

ብመሰረት ጸብጻብ IOM፣ ካብ 13 ክሳብ 19 ሕዳር ኣብ ዝነበረ መዓልታት ጥራይ 235 ስደተኛታትን ሓተቲ ዑቕባን ብተመሳሳሊ መንገዲ ናብ ሊብያ ተመሊሶም።

ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ተታሒዞም ናብ መዳጎኒ ማእከላት ሊብያ ካብ ናይ ዝተመልሱ ብዝሒ ስደተኛታትን ሓተቲ ዑቕባን 32,425 ምንባሩ፣ እቲ ትካል ምስ ናይዚ ዓመት ብምንጽጻር ገሊጹ።

====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0