‘ኤርትራ ናብ ትግራይ ክበጽሕ ንዝድለ ረዲኤት ክመሓላልፍ ወደባታ ኣይዓጸወትን’ ኤምባሲ ኤርትራ ኣብ ዲሲ

Radio Erena: 05 December 2021

ኤርትራ ናብ ሰሜናዊ ክፋል ኢትዮጵያ ክበጽሕ ንዝድለ ረዲኤት ከተመሓላልፍ ወደባታ ኣይኣዓጸወትን ክብል ኤምባሲ ኤርትራ ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ገሊጹ።
እቲ ኤምባሲ ብኣባል ኮንግረስ ኣመሪካ ብራድ ሸርማን ንዝተዋህበ ርእይቶ ምላሽ ንምባሃብ ኣብ ዝዘርገሖ መግለጺ፣ ‘ኤርትራ ረዲኤት ናብ ትግራይ ንኸይሓልፍ ከልኪላ’ ዝብል ክሲ ብምንጻግ፣ ‘ኤርትራ ወደባታ ክትፈቅድ- ክትከልእ ዛጊት ወግዓዊ ሕቶ ኣይቀረበላን’ ኢሉ።
ኤምባሲ ኣመሪካ ኣብ ኣስመራ ብወገኑ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ኣብ ዝዘርገሖ መግለጺ፣ ‘ኤርትራ ሰብኣዊ ረዲኤት ናብ ትግራይ ከይሓልፍ ከልኪላ ጥራይ ዘይኮነ፣ ሰራዊታ ኣብ ልዕሊ ሰላማዊ ህዝቢ ዘውረዶ ግፍዒ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ መዝጊቡዎ ኣሎ’ ኢሉ።
እቲ ኤምባሲ ኣብ መግለጺኡ፣ ኣመሪካ ኤርትራ ሰራዊታ ካብ ሰሜናዊ ክፋል ኢትዮጵያ ክትስሕብ ተደጋጋሚ ጻውዒት ከምዘቕረበት ድሕሪ ምዝኽኻር፣ እቲ ኲናት ከምዝዓርግ ምግባራ ንመላእ’ቲ ዞባ ናብ ሓደገኛ ኣንፈት ትመርሖ ኣላ ኢሉ።
ኣባል ኮንግረስ ኣመሪካ ብራድ ሸርማን ኣቐድም ኣቢሉ፣ ኤርትራ ናብ ትግራይ ሰብኣዊ ረዲኤት ከይሓልፍ እንተኸልኪላ፣ ኣመሪካ ከኣ ንግዳዊ ምንቅስቓሳት መራክብ ኤርትራ ደው ከተብሎ ዝብል ወተሃደራዊ ምእትእትታው ዝእንፍት ርእይቶ ምሃቡ ይዝከር።

COMMENTS

WORDPRESS: 0