ኣንቶንዮ ጉተረዝ ምስ ኣልቡርሃን ምውጋኑ ብሱዳናውያን ፖለቲከኛታት ይንቀፍ

Radio Erena: 05 December 2021

ውድብ ሕቡራት ሃገራት ብዓብደላ ሓምዶክን ኣልቡርሃንን ዝቐረበ እማመ ማሕበር ሰብ ሞያ ሱዳን ክቕበሎ ንዘቕረቦ ጻውዒት፣ እቲ ማሕበር ነጺጉዎ።
ኣንቶንዮ ጉተረዝ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፣ ማሕበር ሰብ ሞያ ሱዳን ነቲ እማመ እንተዘይተቐቢሉዎ፣ ሳዕቤኑ ከቢድ ክኸውን’ዩ፣ ክብል እዩ ኣፍሊጡ።
ማሕበር ሰብ ሞያ ነዚ መግለጺ ዋና ጸሓፊ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣመልኪቱ ኣብ ዝሃቦ ምላሽ፣ ተመሳሳሊ ናይ መፈራርሒ ቃላት ካብቲ ዕልዋ ዘካየደ ወተሃደራዊ ጉጅለ ከምዝተቐበለ ብምዝኽኻር፣ እቲ እማመ ንመሰረታዊ ጠለብ ሰልፈኛታት ዘይምልስ እዩ ብምባል ነጺጉዎ።
ሓያሎ ፖለቲከኛታትን መራሕቲ ውድባትን ሱዳን፣ ውድብ ሕቡራት ሃገራትን ሕብረት ኣፍሪቃን፣ ወተሃደራዊ ዕልዋ ንዘካየደ ወተሃደራዊ ጉጅለ ምድጋፎም ‘መስደመም’ ክብሉ ይገልጹዎ ኣለዉ።
‘ህዝቢ ሱዳን ባዕሉ ዘመሓድሮ ደሞክራስያዊ ስርዓት ንምትካል እዩ መስዋእቲ ዝኸፍል ዘሎ እምበር፣ ዝተኣዘዞ ክፍጽም ኢሉ ኣይኮነን’ ዝብል እምነት ከምዘለዎ ዝገለጸ ማሕበር ሰብ ሞያ፣ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዕልዋ መንግስቲ ንዘካየደ ጉጅለ ወግዓውነት ክህቦ ምፍታኑ፣ ብሓላፍነት ዘሕትቶ እዩ ኢሉ።
ብድሕሪ’ዚ መግለጺ፣ ኣፈኛ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፣ ‘’እቲ እማመ ብዙሕ ዝመሓየሽ ነጥብታት ኣለዎ፣ እንተኾነ ግና ስምምዕ ኣልቡርሃንን ሓምዶክን፣ ቀዳማይ ደረጃ እዩ ኢልና ኢና ንኣምን’’ ኢሉ።
ኣብ ዳርፉር ዝተፈጸመ ጃምላዊ ህልቂት፣ ቅድምን ድሕርን ህዝባዊ ናዕቢ ኣብ ልዕሊ ሰላማዊያን ሰባት ዝወረደ መቕዘፍቲን ካልእ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላትን ብዝተኣሳሰር፣ ኣዘዝቲ ሰራዊትን ሰበስልጣናትን ናብ ፍርዲ ክቐርቡ ዝቐርብ ጠለብ፣ ገለ ካብቲ ዘይምርድዳእ ፈጢሩ ዘሎ ዓበይቲ ጉዳያት እዩ።

COMMENTS

WORDPRESS: 0