ላዕለዋይ ቤት ምኽሪ ቤጃ፣ ዘቕረቦ ጠለባት ኣብ ክልተ ቅነ መልሲ እንተዘይረኺቡ፣ ዳግማይ ንፖርት ሱዳን ክዓጹ ምዃኑ ኣጠንቂቑ

Radio Erena: 06 December 2021

ላዕለዋይ ቤት ምኽሪ ቤጃ – ናዚሪስ፣ ኣብ ስምምዕ ሰላም ምብራቕ ሱዳን ዘቕረቦ ጠለባት፣ ኣብ ክልተ ቅነ፣ ካብ መንግስቲ መልሲ እንተዘይረኺቡ፣ ንወደብ ፖርት ሱዳንን ናብቲ ወደብ ዘእቱ ኣውራ መንገድታት ንምዕጻው ኣድማ ክጽውዕ ምዃኑ ኣጠንቂቑ።

እቲ ቤት ምኽሪ፣ ነቲ ኣብ ጁባ ዝተኸተመ ስምምዕ ሰላም፣ ንምብራቕ ሱዳን ኣይውክልን’ዩ ብምባል ክስረዝ ብምጥላብ ካብ 17 መስከረም ክሳብ 30 ሕዳር ንወደብ ፖርት ሱዳን ዝዓጸወ ኣድማ ምክያዱ ኣይርሳዕን።

ጀነራል ኣል ቡርሃን፣ ነቲ ብቐዳማይ ሚኒስተር ዓብደላ ሓምዶክ ዝምራሕ ንሲቪል ዝወከለ ናይ ልፍንቲ መንግስቲ ምስ ኣደስከሎ፣ ላዕለዋይ ቤት ምኽሪ ቤጃ፣ ነቲ ዘካይዶ ዝነበረ ወደብ ናይ ምዕጻው ኣድማ ደው ከምዘበሎ ይዝከር።

እንተኾነ፣ ጀነራል ኣልቡርሃን፣ ኣንጻሩ ብዝተኻየደ ህዝባዊ ተቓውሞን ኣህጉራዊን ጸቕጥታትን ተደሪኹ ንቀዳማይ ሚኒስተር ዓብደላ ሓምዶክ ናብ ስልጣኑ ምስ መለሶ፣ ላዕለዋይ ቤት ምኽሪ ቤጃ፣ እንደገና ጠለባቱ ብምሕዳስ፣ መንግስቲ ምላሽ ክህቦ ጸዊዑ ኣሎ።

ንጉዳይ ምብራቕ ሱዳን ክከታተል ዝተመዘዘ፣ ብጀነራል ሓምዳን ዶጋሎ ዝምራሕ ኣካል መንግስቲ ሱዳን፣ ተወሳኺ ክልተ ቅነ ክወሃቦም ብዘቕረቦ ጠለብ መሰረት፣ ወደብ ናይ ምዕጻው ኣድማ ዝነበሮም መደብ ከምዘናውሑ ዝጠቐሰ እቲ ቤት ምኽሪ፣ ኣብዚ ዝተጠቕሰ እዋን መልሲ እንተዘይረኺቦም፣ ካብ 19 ታሕሳስ ንደሓር ወደብ ፖርት ሱዳንን ካብን ናብን እቲ ወደብ ዘራኽብ ኣውራ መንገድታትን ክዕጾ ምዃኑ ኣረጋጊጹ።

እቲ ቤት ምኽሪ፣ ኣብ ምብራቕ ሱዳን ንዝርከባ 17 ቀቢላታት ብምእካብ፣ ብዛዕባ’ቲ ጉዳይ ስሙር መርገጺ ክሕዛ ከምዝተረዳድአ ይገልጽ እኳ እንተሎ፣ ኣብ ስምምዕ ጁባ ዝተወከለ ኪዳን ሓይልታት ምብራቕ ሱዳን ግና ምትእኽኻብ ናይቲ ወደብ ክዓጹ ምዃኑ ዘጠንቅቕ ዘሎ ላዕለዋይ ቤት ምኽሪ ቤጃ፣ ፖለቲካዊ ዘይኮነ ቀቢላዊ ‘ዩ ክብል ንኣልጀዚራ ኣብ ዝሃቦ ቃል ገሊጹ።

ዞባ ምብራቕ ሱዳን ካብ ምዕባለ ተነጺሉን ብመንግስቲ ሱዳን ተገሊሉን’ዩ ኢሉ ዝኣምን ላዕለዋይ ቤት ምኽሪ ቤጃ፣ ኣቐዲሙ ብዘካየዶ ንወርሕን ክልተ ቅነን ዝቐጸለ ኣድማ፣ ብዘይካ’ቲ ኣብ ንግዲን ቁጠባን ዝፈጠሮ ከቢድ ጸቕጢ፣ ንወደብ ፖርት ሱዳን 10ታት ሚልዮናት ክሳራ ከምዘስዓበሉ’ዩ ተገሊጹ።

===============================

COMMENTS

WORDPRESS: 0