ኣፍሪቃ፣ ንኢንተርነት ዝበዝሐ ክፍሊት ዝሕተተላ ኣህጉር

Radio Erena: 25 October 2019

ኣገልግሎት ኢንተርነት ንምርካብ፣ ዝበዝሐ ክፍሊት ዝሕተተላ ኣህጉር፣ ኣፍሪቃ’ያ።

ኣብዛ ኣህጉር፣ ተጠቀምቲ ኢንተርነት ምስ ኣታዊታቶም ብምንጽጻር ክርአ እንከሎ፣ እቶም ዝበዝሐ ዝኸፍሉ ምዃኖም’ዮም ዘመልከት ኣብ the alliance for afordable internet ሰፊሩ ዘሎ መጽናዕታዊ ጽሑፍ።

ብመሰረት እቲ ጸብጻብ፣ ኣብ ኣፍሪቃ ፣ ብማእከላይ ገምጋም ዝሓሸ እቶት ኣለዎም ዝብሃሉ ዜጋታት ደቡብ ኣፍሪቃን ጋናን ክኾኑ እንከለዉ፣ እቶም ዝተሓተ ኣተዊ ዘለዎም ድማ ዜጋታት ማሊ፣ ላይበርያን ሞዛምቢክን’ዮም።

ዝወሓደ ኣታዎታት ኣለዎም ካብ ዝበሃሉ ዜጋታት ቻድ፣ ደሞክራስያዊት ኮንጎንን ማእከላይ ሪፖብሊክ ኣፍሪቃን፣ ን ሓደ ጊጋ ባይት (1GB ) ናይ ሞባይል ኢንተርነት ኣገልግሎት፣ ኣስታት 20% ካብ ኣታዊታቶም ይኸፍሉ።

ብኣንጻር እዚ፣ ኣብ ሞሪሸስ ተመሳሳሊ ኣገልግሎት ኢንተርነት ንምርካብ 0.5% ካብ ኣታዊኻ ጥራይ’ዩ ዝኽፈሎ።

ሓደ ካብ መስረቲ ናይ ዳታ ኣገልግሎታት ኢንተርነት ዝኾነ ቲም በርንስ ሊ፣ ን(1GB ) ናይ ሞባይል ኢንተርነት ኣገልግሎት ካብ 2% ንላዕሊ ክፍሊ ዘየድልዮ እኳ እንተኾነ፣ ኣብ ኣፍሪቃ ግና ብማእከላይ ገምጋም 7% ከምዝኽፈሎ’ዩ ዝገልጽ።

ኤርትራ፣ ናይ ሞባይል ዳታ ኣገልግሎት ኢንተርነት ካብ ዘይብለን ሒደት ሃገራት ዓለምና ስለዝኮነት፣ ኣብዚ መጽናዕቲ ኣይተኻተተትን።

ኤርትራ፣ ሓንቲ ካብተን ጽኑዕ ቁጽጽር ኢንተርነት ዘለወን ኮይና፣ ካብ 288 ሃገራት ንሰሜን ኮርያ ጥራይ በሊጻ፣ እታ ዝወሓደ ተጠቃሚ ዘለዋ’ያ።

ኣህጉራዊ ማሕበር ቴሌኮሚኒኬሽን ብዘቕረቦ መጽናዕቲ መሰረት፣ ኤርትራ፣ 1.3% ወይ ድማ 52 ሽሕ ካብቲ ኣስታት 5 ሚልዮን ብዝሒ ህዝባ’ዩ ጥራይ’ዩ ኢንተርነት ናይ ምጥቃም ዕድል ረኺቡ ዘሎ።

=================

COMMENTS

WORDPRESS: 0