ሱዳን፣ ንኣስታት 30 ዓመታት ዝመርሐ ሰልፊ ሃገራዊ ባይቶ ክፈርስ ዝጽውዕ ተቓውሞ ተኻይዱ

Radio Erena: 25 October 2019

ኣብ ሱዳን፣ ንኣስታት 30 ዓመታት ነታ ሃገር ዝመርሐ፣ ኣልሙተመር ኣልወጠኒ ወይ ሃገራዊ ባይቶ ዝተባህለ ፖለቲካዊ ሰልፊ ክፈርስ ዝጽውዕ ህዝባዊ ተቓውሞ ተኻይዱ።

እቲ ካብ ስልጣኑ ብዝተኣልየ ፕረዚደንት ነበር ዑመር ኣልበሽት ዝተመስረተ ሰልፊ፣ ኣባላቱ ብምጥፍፋእ፣ ብልሽውናን ስርቅን ካልእን ገበናት’ዮም ዝኽሰሱ ዘለዉ።

ይኹን’ምበር እቲ ሰልፊ ድሕሪ ምውዳቕ ስርዓት በሺር’ውን ይቕጽል ብምህላዉ፣ ጠቕሊሉ ክፈርስን ብዝተፈላለየ ገበናት ዝኸሰሱ ኣባላቱ ናብ ፍርዲ ክቐርቡን ህዝቢ ሱዳን ይጽውዕ ኣሎ።

እቲ ኣብ ካርቱም ብሰለማዊ ሰልፊ ዝጀመረ ጻውዒት ህዝቢ ናብ ካልእ ከባቢታት እታ ሃገር ይልሕም ከምዘሎ’ውን ዝተፈላለዩ ወገናት ይጠቕሱ።

ጀነራል ዑመር ሓሰን ኣልበሽር፣ ኣብ 1989 ብወትሃደራዊ ዕልዋ ናብ ስልጣን ድሕሪ ምምጽኡ፣ ሰልፊ ሃገራዊ ባይቶ ብምምስራት፣ ፖለቲካዊ ንጥፈታት እታ ሃገር ን30 ዓመታት ብሓንቲ ሰልፊ ከምዝዕብለል’ዩ ጌርዎ ጸኒሑ።

===============

COMMENTS

WORDPRESS: 0