ግብጺ ብኣመሪካ ንዝቐረበ፣ ኣብ ጉዳይ ናይል ዘተኮረ ዘተ ከምእትሳተፍ ኣፍሊጣ

Radio Erena: 24 October 2019

ግብጺ፣ ኣብ ጉዳይ ናይል ምስ ኢትዮጵያ ተፈጢሩ ንዘሎ ተወሳኺ ምስሕሓብ ብዝምልከት ብኣመሪካ ንዝቐረበ ናይ ዘተ መኣዲ ንምስታፍ ድልውቲ ከምዘላ ገሊጻ።

እቲ ዘተ ብሚኒስተራት ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ፣ ግብጽን ሱዳንን ተወኪሉ ኣብ ዋሽንግተን ከምዝካየድ ዝሓበረት ግብጺ፣ ዝእንገደሉ ዕለት ኣየነጸረትን።

መንግስታት ኢትዮጵያን ሱዳንን ብዛዕባ’ዚ ብምምሕዳር ትራምፕ ክካየድ’ዩ ዝተባህለ ዘተ ናይል ብዝምልከት ዝኾነ ሓበሬታ ኣይሃቡን።

ኢትዮጵያ ኣቐዲማ፣ ኣብቲ ጉዳይ ዝኾነ ሸምጋሊ ክኣቱ ከምዘይትደሊ’ያ ክትገልጽ ጸኒሓ።

ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ፣ ንፓርላማ ሃገሩ ኣብ ዝሃቦ መብርሂ፣ ኢትዮጵያ ጀሚራቶ ዘላ ምህናጽ ዲጋ ተሃድሶ ደው ዘብሎ ሓይሊ ከምዘየለ ብምጥቃስ፣ ኣድላዩ እንተኾይኑ’ውን ሓደ ሚልዮን ሰራዊት ብምስላፍ ናብ ኵናት ክኣቱ ከምዝኽእል’ዩ ኣንፊቱ።

ግብጺ፣ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ጉዳይ ኣጠቃቕማ ናይል ንዘርእዮ ዘሎ ምግቡዕባዕ ዘይቅቡል’ዩ ድሕሪ ምባል፣ እቲ ምስሕሓብ ብዘተ ክፍታሕ ዘለዋ እምነት ገሊጻ ኣላ።

ኢትዮጵያ፣ ሱዳንን ግብጽን ብጉዳይ ኣጠቃቕማ ናይል ን10ታት ዓመታት ኣብ ዘይምርድዳእ እኳ እንተጸንሓ፣ ኢትዮጵያ ንዲጋ ተሃድሶ ክትሃንጽ ድሕሪ ምጅማራ ናብ ወጥሪ ዓሪጉ ይርከብ።

===============

COMMENTS

WORDPRESS: 0