ኣፍሪቃ፣ ብሕማም ኤችኣይቪ ኣስታት ፍርቂ ሚልዮን ሰባት ክሞቱ ከምዝኽእሉ ውድብ ጥዕና ዓለም ኣጠንቂቑ

Radio Erena: 13 May 2020

ኣብ ሓያሎ ሃገራት፣ ክካየድ ዝጸንሐ ለበዳ ኤቭኣይቪ ኤይድስ ናይ ምግታእ መደባት ብሰንኪ ለበዳ ኮረና ቫይረስ እንተደኣ ተዓናቒፉ ፣ ኣብ ትሕቲ ሰሃራ ኣብ ዝርከባ ሃገራት ኣፍሪቃ ጥራይ፣ ኣብዚ ዝቕጽል ሽዱሽተ ኣዋርሕ፣ ንኣስታት 500 ሽሕ ሰባትት ንሞት ከቃልዕ ከምዝኽእል ውድብ ጥዕና ዓለም ኣጠንቂቑ።

ሃገራት ኣፍሪቃ፣ ክገብሮኦ ዝጸንሐ ጥንቃቐታት ንምግታእ ለበዳ ኤችኣይቪ ቫይረስ፣ ከምቲ ዝነበሮ ክቕጽል እንተዘይክኢሉ፣ ተመዝጊቡ ዝጸንሐ ግስጋሰ ንድሕሪት ክምለስ ምዃኑ ዳይረክተር እቲ ውድብ ዶ/ር ቴድሮስ ኣድሓኖም ኣፍሊጡ።

ሃገራት፣ ነዚ ኣብ ግምት ብምእታው፣ ኣብ ኩሉ መዳያት ጥዕና ብምትኳር ክስርሓ’ውን ዶ/ር ኣድሓኖም ተላብዩ።

ስሩዕ መርመራታትን ይኹን ምክትታልን መድሃኒትን ንዝደልዮም ምስ ኤች ኣይቪ ንዝነብሩ ሰባት ብስሩዕ ምዕዳልን ከምቲ ዝነበሮ ክቕጽል ውድብ ጥዕና ዓለም ይላቦ እኳ እንተሎ፣ ዝበዝሓ ሃገራት ኣፍሪቃ ግና፣ ብምወላን ሓገዝን የካይድኦ ምስ ምንባረን ካልእ ተወሳኺ ሻቕሎት’ዩ።

ዝበዝሓ መወልቲ ሃገራት፣ ኣብዚ እዋን’ዚ ኣብ ውሽጣዊ ጉዳየትን ተጸሚደን፣ ብሰንኪ ለበዳ ኮረና ቫይረስ ንዝዛሕተለ ቁጠብአን ንምብርባር ኣብ ጓየያሉ ዘለዋ እዋን፣ ውድብ ጥዕና ዓለም ይኹን ካልኦት መሻርኽቲ፣ ኣብ ኣፍሪቃ ግኑን ንዝኾነ ከም ዓሶን ኤችኣይቪ ኤይድስን ዝኣመሰለ ሕማማት ዘተኮረ ሒዞምዎ ዝጸንሑ ፕሮጀክታት ከይተዓናቐፍ ይስጋእ።

ኣብ 2018/19፣ ብደረጃ ዓለም ምስ ኤቭኣይቪ ኤይድስ ብዝተተሓሓዘ ልዕሊ 570 ሽሕ ሰባት ከምዝሞቱን ልዕሊ 69% ካብዚ ድማ ኣብ ትሕቲ ሰሃራ ኣብ ዝርከባ ሃገራት ኣፍሪቃ ከምዝተመዝገበን ጸብጻብ ሕቡራት ሃገራት የመልክት።

=================

COMMENTS

WORDPRESS: 0