ፕረዚደንት ደቡብ ሱዳን፣ ንጠቕላሊ ሓለቓ ስታፍ ሰራዊት እታ ሃገር ካብ መዝነቱ ሰጕጉዎ

Radio Erena: 13 May 2020

ፕረዚደንት ደቡብ ሱዳን፣ ሳልቫኪር ሚያርዲት፣ ንጠቕላሊ ሓለቓ ስታፍ ሰራዊት እታ ሃገር፣ ጀነራል ጋብሪኤል ጆክ ሪያክ ካብ መዝነቱ ሰጕጉዎ።

እቲ ተሰጕጉ ዘሎ ጀነራል፣ ድሕሪ ሞት ሓለቓ ስታፍ ሰራዊት እታ ሃገር ኣብ 2018’ዩ ናብቲ መዝነተ ተረቑሑ።

ፕረዚደንት ኪር፣ ኣብ ዘካየዶ ወሰኽ ማዕረግ ላዕለዎት ሰበ ስልጣን ሰራዊትን ምቅይያር መዝነትን፣ ንጀነራል ጆንሰን ጁማ ኦኮት፣ ጠቕላሊ ሓለቓ ስታፍ ሰራዊት ክኸውን ከምዝመዘዞ ተፈሊጡ ኣሎ።

ጠንቂ’ዚ ምቅይያር ላዕለዋይ ኣዘዝቲ ሰራዊት ደቡብ ሱዳን ዝተሓበረ ነገር እኳ እንተዘየለ፣ ኣብ ሰንኮፍ ንዝርከብ ናይ ልፍንቲ መንግስቲ እታ ሃገር ብኣሉታ ከይጸልዎ ስክፍታታት ኣሎ።

ደቡብ ሱዳን፣ ካብ መወዳእታ ወርሒ ለካቲት፣ ሓሙሽተ ምክትላት ፕረዚደንት ዘለዎ ሓደሽ ናይ ልፍንቲ መንግስቲ ኣቝማ ከምዘላ ይፍለጥ።

================

COMMENTS

WORDPRESS: 0