ኣብ ፓሪስ ኣብ ዝካየድ ዘሎ ኣህጉራዊ ዋዕላ ክሊማዊ ለውጢ፣  ኣስታት 150 መራሕቲ ሃገራት ይሳተፉ ኣለዉ

ኣብ ፓሪስ ኣብ ዝካየድ ዘሎ ኣህጉራዊ ዋዕላ ክሊማዊ ለውጢ፣ ኣስታት 150 መራሕቲ ሃገራት ይሳተፉ ኣለዉ

Radio Erena: 01 December 2015

Paris Conf

ብሕቡራት ሃገራት ተወዲቡ ዝበዝሐ ክፋሉ ከኣ ብመንግስቲ ፈረንሳ ተመወሊ፣ ካብ 30 ሕዳር ክሳብ 11 ታሕሳስ ኣብ ዝካየድ ዘሎ ዋዕላ፣ ንዓለምና ኣብ ኣሻቓሊ ደረጃ ኣብጺሑዋ ብዛዕባ ዘሎ ፍኑው ኣጠቃቕማ ጸጋታት መሬትን ዘይውሑስ ኣተዓቓቕባ ኣከባቢን ብዝምልከት መራሕቲ ሃገራት ኣብ ስምምዕ ክበጽሑ ትጽቢት ይንበረሉ።

ብፍላይ እተን ብኢንዱስትሪ ዝማዕበላ ሃገራት፣ ኣብ ብክላ ኣየር ዝልዓለ ግደ ስለዘለወን፣ ዓለምና ከጋጥማ ካብ ዝኽእል ሓደጋ ክሊማዊ ለውጢ ንምድሓን ቀዳሚ ግዴታ ከምዘለወን እዚ ናይ ፓሪስ ዋዕላ የዘኻኽር።

 

እዚ ብCOP21 ወይCMP 11 ዝጽዋዕ ዘሎ ኣህጉራዊ ዋዕላ 2015፣ ድሕሪ’ቲ ኣብ ጃፓን ዝተኻየደ ናይ 1997 ዋዕላ ኮዮቶ እቲ ዝዓበየ ኣብ ክሊማዊ ለውጢ ዘተኮረ ምትእክኻብ መራሕቲ ሃገራት ዓለም’ዩ።

ኣብ ደንማርክ ከተማ ኮፐን ሃገን’ውን’ውን ኣብ ክሊማዊ ለውጢ ዘተኮረ ኣገደስቲ ዋዕላታት ክካየድ እኳ እንተጸንሐ፣ እተን ቀንዲ ምንጪ ብከላ ኣየር ዝኾና ዘለዋ ሃገራት ኣብ ውዱእ ስምምዕ ክበጽሓ ብዘይምኽኣለን፣ ዓለም ካብቲ ብክሊማዊ ለውጢ ዝመጽእ ዘይንቡር ኩነታት ኣየር ንምድሓና ዝተወስደ ገጂፍ ተበግሶ የለን።

መራሕቲ ሃገራት ናይታ ብሰንኪ’ዚ ክሊማው ለውጢ ኣብ ዝስዕብ ዘሎ ዘይንቡር ኩነታት ኣየር፣ ቀንዲ ግዳይ ክትከውን እትኽእል ኣፍሪቃ፣ ኣብዚ ኣገደሲ ኣህጉራዊ ዋዕላ፣ ነተን ብኢንዱስትሪ ዝማዕበላ ሃገራት ጸቕጢ ክግበሩ’ውን ትጽቢት ኣሎ።

ቻይና ብብከላ ኣየር ኣብ ቀዳማይ ደረጃ ክትስራዕ እንከላ፣ ኣመሪካን ሃገራት ሕብረት ኤውሮጳን ከኣ ብቅደም ተከተል ካልኣይን ሳልሳይን ደረጃ ሒዘን ይስዕባ።

ካብ ሃገራት ኣፍሪቃ ከባቢ ዝብልክ ዝበዝሐ ሃሰይቲ ትክታት እተብንን ሃገር ደቡብ ኣፍሪቃ’ያ። ግብጺ’ውን ኣብ ኣፍሪቃ ብብከላ ኣየር ካልኣይ ደረጃ ሒዛ ኣላ።

ኣብዚ ኣብ ፓሪስ ዝካየድ ኣህጉራዊ ዋዕላ ክሊማዊ ለውጢ፣ ብዘይካ መራሕቲ ኤርትራን ሱዳንን ዳርጋ ብምልኦም መራሕቲ ሃገራት ኣፍሪቃ ይሳተፉ ኣለዉ።

እዚ ከምዚ’ሉ እንከሎ፣ መራሕቲ ሃገራት ኣብ ፓሪስ ኣብ ዝተኣኻኸብሉ እዋን፣ ሽበራዊ መጥቃዕቲ ከየጋጥም ብምስጋእ ኣብታ ከተማ ልዑል ጸጥታዊ ሓለዋ ይካየድ ኣሎ።

ድሕሪ’ቲ ብ13 ሕዳር ዘጋጠመ መጥቃዕቲ ኣብታ ከተማ ጽኑዕ ሓለዋ ክርአ እኳ እንተጸንሐ፣ ምስ ምትእክኻብ መራሕቲ ሃገራት ዓለም ከኣ እቲ ጸጥታ ናብ ዝልዓለ ጥርዙ ደይቡ ኣሎ።

ብሰንኩ’ውን ሓያሎ ጎደናታት ንመካይን ዕጹው ኮይኑ ክቕን’ዩ።

ብሰንኪ’ቲ ጸኒዑ ዘሎ ጸጥታ ከኣ፣ ኣብ ዋሕዚ መካይን ምጭንናቕ ንኸየጋጥም፣ ኣብ ፓሪስን ከባቢን ኣገልግሎት ህዝባዊ መጓዓዝያ ነዚ ዝሓለፈ ክልተ መዓልታት ብናጻ ክኸውን ተወሲኑ።

=====================================

 

 

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0